5 ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘለና እትመፅእ ዓለምስ፥ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። 6 እኳ ደኣ መፃሕፍቲ፥
“ንስኻ ኽትሓስቦስ ሰብ እንታይ እዩ?
ወይ ንስኻ ኽትሓልየሉኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ?”
7 ካብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ፤
ኣኽሊል ክብርን ግርማን ደፋእኻሉ፤
ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ኸዓ ሸምካዮ፤
8 ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእኻሉ ኢሉ መስኪሩ ኣሎ። ንዅሉ ኸግዝአሉ እንተሎ፥ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓደ እኳ ኣይሓደገን። ሕዚ ግና ዅሉ ገና ኸም ዝተገዝአሉ ኣይንርእን ዘለና።
9 ነቲ ኻብ መላእኽቲ ንቑሩብ ኣንኣስካዮ ተብሂሉ ዝነበረ ኢየሱስ ግና፥ ብምኽንያት ሞቱ ሕዚ ኣኽሊል ክብርን ምስጋናን ደፊኡ ንሪኦ ኣለና። እዙይ ከዓ ንሱ ብፀጋ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ዅሉ ሰብ ስለ ዝሞተ እዩ።
1 እግዚኣብሄር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብብዙሕ ዓይነትን ብብዙሕ መንገድን፥ ብነቢያት ገይሩ ነቦታትና ተናጊርዎም ነይሩ፤ 2 ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና። 3 ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
4 እቲ ዝወረሶ ስም፥ ካብ ስም መላእኽቲ የመና ኸም ዝዓቢ፥ ወልድ ኸዓ ኻብ መላእኽቲ የመና ይዓቢ እዩ። 5 ካብ መላእኽቱ፥
“ንስኻ ወደይ ኢኻ፤
ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ”
ከምኡ ኸዓ “ኣነ ኣቦ ክኾኖ እየ፤
ንሱውን ውሉድ ክኾነኒ እዩ”
ዝበሎ ንመን እዩ?
6 መሊሱ፥
ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥
“ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።
7 ብዛዕባ መላእኽቲ ኸዓ
“ንመላእኽቱ ንፋሳት፥
ንኣገልገልቱውን ነበልባል ሓዊ ይገብሮም” ይብል።
8 ብዛዕባ ወልድ ግና፥
“ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤
በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
9 ፅድቂ ፈተኻ፤ ዓመፅውን ፀላእኻ፤
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፥
ሕልፊ ብፆትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ” ይብል።
10 ከምኡ ድማ፦
“ኦ ጐይታይ፥ ንስኻ፥
ካብ መጀመርታ ንምድሪ መስረትካያ፤
ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
11 ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤
ንስኻ ግና ትነብር፤
ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤
12 ንስኻ ከም ዓለባ ኽትጥቕልሎም ኢኻ፤
ንሳቶምውን ክልወጡ እዮም፤
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤
ንዘመናትካውን መወዳእታ የብሉን” ይብል።
13 እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦
“ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥
ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።
14 ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?
ዕብራውያን 2:5–8 · ዕብራውያን 2:9 · ዕብራውያን 1 · ትመ15
ኣብ እብራውያን 1ን 2ን ብዙሓት ክብሪታት ጐይታ የሱስ ይቐርቡልና። ኣብ ምዕራፍ 1፡ ከም ወዲ ኣምላኽ ኴንና ንርእዮ። ኣብ ምዕራፍ 2፡ ከም ወዲ ሰብ ኴንና ንርእዮ። ወዲ ኣምላኽከ ስለምንታይ ሰብ ኮነ? ብዙሓት ምኽንያታት ኣብ ምዕራፍ 2 ይቐርቡልና፡ ግናኸ ሰለስተ ሳዕ ዝተጠቕሰ፡ ምእንቲ ኺስቀ እዩ። ዘደንቕ ሓሳብ!
ኣብ ፍቕዲ 9፡ ንሱ ኻብ መላእኽቲ ብዘይገደብ ዝለዓለ ዝነበረ—ከም ኣምላኽ፡ ወድን ፈጣርን ደጋፍን ወራሲ ዅሉን፡ ወዘተ.—ብሰሪ ስቓይ ሞት ሰብ ብምዃኑ ኻብ መላእኽቲ ቕሩብ ተሓተ። ኣብዚ ናይ ምድሓን ስቓዩ ብንጹር ይቐርበልና። ብሓደ ሰብ፡ ኣዳም፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብሓጢኣት ድማ ሞት (ሮሜ 5:12)። እቲ ቐዳማይ ሰብ ሓጢኣትን ሞትን ናብዛ ዓለም ኣእተወ። ብስርዓት ኣምላኽ፡ ንኽልቲኡ ብብቕዓት ኪፈትሖ ዝኽእል ሰብ—ግናኸ ኣምላኽ ዝኾነ—ንኽብሪ ኣምላኽ ኪኸውን ነበረ። ግናኸ ካብ ዘርኢ ኣዳም ሓደ እኳ ኸምኡ ኪገብር ኣይከኣለን። ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ጐደሎም፡ ደሞዝ ሓጢኣቶም ድማ ሞት እዩ (3:23፤ 6:23)።
ሓጢኣት ዘይብሉ፡ ቅዱስ ሰብ የድሊ ነበረ። ሓደ እኳ ኸኣ ኪርከብ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ እቲ ብሩኽ ወዲ ኣምላኽ ባዕሉ ሰብ ኮነ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ—ምኽንያቱ ኵሎም ካልኦት ምድግጋም እቲ ዝፈሸለ ቐዳማይ ሰብ ጥራይ እዮም ነይሮም—እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ድማ—ምኽንያቱ ካልእ ኣይድልን እዩ። ኣብ እብራውያን 2:5–8፡ ከም ሰብ ኴኑ ኵሉ ነገር ትሕቲኡ ኸም ዝኸውን ተነጊሩና ኣሎ። ኣብታ እትመጽእ ዓለም ኪነግስ እዩ። ግናኸ ቐድም ንቕድሚት ስቓይ ሞት ኪጸውር፡ “ንዅሉ ነገር ሞት ኪጥዕም” (jnd) ኣድለየ። እቲ ዕዮ ከም ዝተፈጸመ ንምርኣይ፡ ሕጂ ድማ ብኽብረትን ምስጋናን ተኸሊሉ ንምርኣይ ክንደይ ዘደንቕ እዩ!