23 ሚያ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 24 ሚያዝያ: እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ (ዘፍጥረት 21:1)
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ከምቲ ዝተናገሮ ንሳራ ዘከራ። እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝተናገሮ ገበረላ።
ዘፍጥረት 21:1
ኵልኻትኩም ማሕበር ህዝቢ፥ ብእኡ ተኣመኑ፤ ልብኹምውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፤ እግዚኣብሄር ረዳኢና እዩ።
ዳዊት 62:8
ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ።
1ይ ሳሙኤል 30:6
እግዚኣብሄር ግና ብሓቂ ኽምልከተኩም እዩ፤ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኽመልሰኩም እዩ በሎም።
ዘፍጥረት 50:24
ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ ... ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።
ግብሪ ሃዋርያት 7:34, 36
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።
ኢያሱ 21:45
ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።
ዕብራውያን 10:23
ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ዘሑልቍ 23:19
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ማቴዎስ 24:35
ሳዕሩ ይነቅፅ፤ ዕምበባኡውን ይረግፍ፤ ቃል ኣምላኽና ግና፥ ንዘለኣለም ፀኒዑ ይነብር።”
ኢሳይያስ 40:8
ናይ ኵሉ ዓይኒ፥ ንኣኻ ተስፋ ይገብር።
ዳዊት 145:15
ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።
ግብሪ ሃዋርያት 17:25
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።
ዳዊት 145:9
ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፤ ናይ ሰማይ ኣቦኻትኩም ደኣ ይምግቦም እምበር፥ ኣይዘርኡ፥ ኣይዓፅዱ፥ ኣብ ማዕኸንውን ኣይእክቡን እዮም።
ማቴዎስ 6:26
ንሱ ናይ ኵሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝፅውዕዎ ዅሎም ድማ፥ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።
ሮሜ 10:12
ኣዒንተይ ናብ እምባታት ኣልዓልኩ፤ ረድኤተይ ካበይ ይምፃእ?
ዳዊት 121:1
እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ዳዊት 123:2
እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ኢሳይያስ 30:18
በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኢሳይያስ 25:9
ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፥ ብትዕግስቲ ንፅበዮ።
ሮሜ 8:25
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ22 ሚያ 2026
ዘሌዋውያን 1:3–4 · ዘፍጥረት 22:8
21 ሚያ 2026
ፊልጵስዩስ 4:1 · ኢዮብ 23:11
20 ሚያ 2026
ዘዳግም 13:17 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:17
19 ሚያ 2026
ዮሃንስ 10:7 · ማቴዎስ 27:51
18 ሚያ 2026
ዘዳግም 18:18 · ዘዳግም 5:5
17 ሚያ 2026
ዳዊት 50:23 · ቈላስይስ 3:16–17






