ዕለታዊ ብርሃን, 26 ሚያዝያ: ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ (መሃልየ 2:6)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ፤ የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ።

ዘለኣለማዊ ቐላፅሙ ድማ ኣብ ትሕቴኻ እየን።

ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና ፈርሐ፤ ክጠልቕ ምስ ጀመረ ድማ፥ “ጐይታ! ኣድሕነኒ” ኢሉ ኣእወየ። ኢየሱስ ድማ ሽዑ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ “ኣታ እምነት ዝጐደለካ፥ ስለ ምንታይከ ተጠራጠርካ?” በሎ።

ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ። እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።

ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ፥ ብእኡውን ተኣማሚኑ ይነብር፤ ምሉእ መዓልቲ የፅልለሉ፤ ኣብ መንጎ ማእገሩ ድማ ይሓድር።

ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።

ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘሕድገን ሓደኳ የለን። እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ፥ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ካብ ኢድ ኣቦይ ከሕድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።

እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥ ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥ ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?

መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።

ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥ ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።

ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ።

ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤ ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።

ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ።

ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና፥ ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።