9 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ጉንበት: ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ
ዕለታዊ ብርሃን
ሓጢኣት ዝገብር ካብ ዲያብሎስ እዩ። ወዲ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ዝተገልፀ።
1ይ ዮሃንስ 3:8
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን።
ኤፌሶን 6:12
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ።
ዕብራውያን 2:14
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ቈላስይስ 2:15
ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ። ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።
ራእይ 12:10–11
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ ይብል።
መክብብ 1:2
ንሕናውን ብመቕሰፍትካ ሃሊቕና ኢና። መዋእል ዕድሜና ሰብዓ ዓመት፥ እንተ በዝሐ ኸዓ ሰማንያ ዓመት እዩ፤ ካብኡ እንተ በዝሐ ግና ድኻምን መከራን እዩ፤ ካባና ቐልጢፉ ይሓልፍ፤ ንሕናውን ንግሰፅ ኢናሞ።
ዳዊት 90:9–10
ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 15:19
ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
ዕብራውያን 13:14
“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ።
ሚልክያስ 3:6
ንሕና ግና፥ ሃገርና ኣብ ሰማይ እዩ፤ ካብኡ ንዝመፅእ፥ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:20–21
እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎሞ፥ ብድልየቱ ዘይኮነስ፥ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ።
ሮሜ 8:20
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
ዕብራውያን 13:8
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።
ራእይ 4:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ግን 2026
ኢሳይያስ 53:10 · ዮሃንስ 12:27–28
7 ግን 2026
ማቴዎስ 24:6 · ዳዊት 46:1–3
6 ግን 2026
ዳዊት 85:10 · ኢሳይያስ 45:21
5 ግን 2026
ማቴዎስ 6:31–32 · ዳዊት 34:9–10
4 ግን 2026
ኢሳይያስ 59:1 · ዳዊት 138:3
3 ግን 2026
ማቴዎስ 5:48 · ዘፍጥረት 17:1






