13 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 14 ጉንበት: ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ (ኢሳይያስ 53:3)
ዕለታዊ ብርሃን
ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ።
ፊልጵስዩስ 3:10
ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ።
ማቴዎስ 10:25
ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤ ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥ ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤ ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”
ኢሳይያስ 53:3
ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም።
ዮሃንስ 16:33
ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።
ዮሃንስ 15:19
ዘተሓዛዝነኒ ደለኹ፤ ግና ኣይረኸብኩን።
ዳዊት 69:20
መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:16
ኢየሱስ ድማ “ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን፤ ነዕዋፍ ሰማይውን መፅለሊ ኣለወን፤ ወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘፀግዐሉ እኳ የብሉን” በሎ።
ማቴዎስ 8:20
ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።
ዕብራውያን 13:14
በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ። ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማሪን ፈፃሚን ናብ ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።
ዕብራውያን 12:1–2
ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ።
ራእይ 12:11
እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ? እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ።
ሮሜ 8:33–34
ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም።
ዘሌዋውያን 17:11
ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እቲ ደም ኣበየንአን ኣባይቲ ኸም ዘለኹም ምልክት ክኾነኩም እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ።
ዘፀኣት 12:12–13
እምበኣር ሕዚ፥ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ።
ሮሜ 8:1
እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ። ... ንሱ ኸዓ፥ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዝወፁ፥ ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።
ራእይ 7:13–14
እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና፥ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ራእይ 1:5–6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 4:7 · ሮሜ 5:5
11 ግን 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:34 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:5–6
10 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 3:8 · ኤፌሶን 6:12
9 ግን 2026
ዕብራውያን 11:1 · 1ይ ቆሮንቶስ 15:19
8 ግን 2026
ኢሳይያስ 53:10 · ዮሃንስ 12:27–28
7 ግን 2026
ማቴዎስ 24:6 · ዳዊት 46:1–3






