17 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 18 ጉንበት: ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ (ዮሃንስ 5:26)
ዕለታዊ ብርሃን
ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
ዮሃንስ 5:26
ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:10
ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።
ዮሃንስ 11:25
ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።
ዮሃንስ 14:19
ነታ መጀመርታ እምነትና ኽሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝናያ።
ዕብራውያን 3:14
ተሳተፍቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኑ።
ዕብራውያን 6:4
ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም።
2ይ ጴጥሮስ 1:4
ህያው ነፍሲ ኾነ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፥ ኵላትና ብሓንሳእ ብቕፅበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና እምበር፥ ኵላትና ኣይንድቅስን ኢና። እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ምዉታን ድማ፥ ዘይሞቱ ኾይኖም ክትስኡ እዮም፤ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 15:45, 51–52
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።
ራእይ 4:8
ክብርን ሞገስን ምስጋናን ክህብዎ እንተለዉ።
ራእይ 4:9
ንሱ ብፁእ፥ በይኑ ንዅሉ ዝገዝእ፥ ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት፥ ንሱ በይኑ፥ ዘይመውት እዩ።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:15–16
ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፥ ዘይመውት ... ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን።
1ይ ጢሞቴዎስ 1:17
ንስንሳትና እናተነቓቐፍናን እናተቐናናእናን።
ገላትያ 5:26
እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ብፍቓድና ንህበካ” በልዎ። ነፀላ ድማ ዘርግሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ እቲ ዝማረኾ ቐለበታት ናብኡ ደርበየ። ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ።
መሳፍንት 8:24–25, 27
እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ።
ኤርሚያስ 45:5
ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:7
ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።
ፊልጵስዩስ 2:3
ፍቕሪ ኣይቐንእን፤ ፍቕሪ ኣይምካሕን፤ ኣይዕበይን። ፍቕሪ ዘይግባእ ኣይገብርን፤ ፍቕሪ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣይብልን።
1ይ ቆሮንቶስ 13:4–5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 ግን 2026
ሮሜ 1:1 · ዮሃንስ 13:13
15 ግን 2026
ራእይ 21:4 · ኢሳይያስ 25:8
14 ግን 2026
ፊልጵስዩስ 3:10 · ማቴዎስ 10:25
13 ግን 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 · ዮሃንስ 4:23–24
12 ግን 2026
1ይ ዮሃንስ 4:7 · ሮሜ 5:5
11 ግን 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:34 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:5–6






