15 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 16 ሓምለ: ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን (ዘፀኣት 19:6)
ዕለታዊ ብርሃን
ንስኻትኩም ግና ናይ ካህናት መንግስትን፥ ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑኒ ኢኹም።
ዘፀኣት 19:6
ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤ ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ።
ራእይ 5:9–10
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር” ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤ ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ።
ኢሳይያስ 61:6
ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ።
ራእይ 20:6
እምበኣር ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ መፀዋዕታ፥ ተኻፈልቲ ዝኾንኩም ቅዱሳን ኣሕዋትና፥ ናይ እምነትና ሃዋርያን ሊቀ ካህናትን ንዝኾነ ኢየሱስ ተመልከትዎ።
ዕብራውያን 3:1
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ዕብራውያን 13:15
ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኤፌሶን 2:10
ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር፥ ቅዱስ እዩ፤ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 3:17
ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና።
ነህምያ 4:9
እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፥ ትግሁን ፀልዩን።
ማቴዎስ 26:41
ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።
ቈላስይስ 4:2
ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን። ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ።
1ይ ጴጥሮስ 5:7–9
“ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ?
ሉቃስ 6:46
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
ያእቆብ 1:22
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ስለ ምንታይ ናባይ እትምህለል? ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም።
ዘፀኣት 14:15
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 ሓም 2026
ማቴዎስ 12:34 · ቈላስይስ 3:16
13 ሓም 2026
መሃልየ 7:10 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
12 ሓም 2026
ዘፀኣት 33:14 · ዘዳግም 31:6
11 ሓም 2026
ኤርሚያስ 15:20 · ኢሳይያስ 49:24–26
10 ሓም 2026
ማቴዎስ 10:24 · ዮሃንስ 13:13
9 ሓም 2026
ዘካርያስ 3:4 · ዳዊት 32:1






