10 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 11 ሓምለ: ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ (ኢሳይያስ 41:10)
ዕለታዊ ብርሃን
ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።
ኤርሚያስ 15:20
“ካብ ኢድ ሓያል ተዋጋኢዶ፥ ዝተዘምተ ኽውሰድ ይከኣል እዩ? ካብ ኢድ ጨካንከ፥ ምሩኽ ከምልጥዶ ይከኣል?” እግዚኣብሄር ግና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምርኮ እቶም ሓያላት ክውሰዱ እዮም፤ ምሩኻት እቶም ጨካናት ከዓ ኸምልጡ እዮም። ንኣኺ ዝፃረሩ ኽፃረሮም እየ፤ ... ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”
ኢሳይያስ 49:24–26
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ኢሳይያስ 41:10
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።
ዕብራውያን 4:15
ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዕብራውያን 2:18
ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ። እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
ዳዊት 37:23–24
ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።
ዳዊት 107:9
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
1ይ ጴጥሮስ 2:3
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት። ከምኡውን ሓይልኻን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ።
ዳዊት 63:1–2
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
ዳዊት 84:2
ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።
ፊልጵስዩስ 1:23
ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ዳዊት 17:15
ድሕሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይፀምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ፥ ከቶ ኣይረኽቦምን እዩ። እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።
ራእይ 7:16–17
ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም።
ዳዊት 36:8
ህዝበይ ብበረኸተይ ክፀግብ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 31:14
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 ሓም 2026
ዘካርያስ 3:4 · ዳዊት 32:1
8 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 1:9 · ዳዊት 51:3–4
7 ሓም 2026
ማቴዎስ 4:1 · ዕብራውያን 5:7–9
6 ሓም 2026
ቈላስይስ 4:6 · ምሳሌ 25:11–12
5 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 4:16 · ኤፌሶን 2:4–7
4 ሓም 2026
ዮሃንስ 13:23 · ኢሳይያስ 66:13





