4 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 5 ሓምለ: እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና (ኤፌሶን 2:4–7)
ዕለታዊ ብርሃን
ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና።
1ይ ዮሃንስ 4:16
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገለፀልና ሕያዋይነት፥ ነቲ ዓቐን ዘይብሉ ሃብቲ ፀጋኡ፥ ምእንቲ ኸርኢ ኢሉ እዩ።
ኤፌሶን 2:4–7
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
ዮሃንስ 3:16
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።
ዳዊት 145:9
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:19
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።”
ሉቃስ 1:45
ናይ ትዕቢት ነገር ኣይትሕሰቡ፤ ግና ናይ ትሕትና ነገራት ንምስራሕ ትግሁ።
ሮሜ 12:16
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት፥ ገፅ ሰብ ርኢኹም ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ... እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
ያእቆብ 2:1, 5
ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብፃዩ ደኣ እምበር፥ ሓደኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:24
ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ። እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:8–9
እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ። እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ፥ ነቲ ብዓለም ሕሱርን፥ ንዑቕን፥ ነቲ ዘይኮነ ነገርን መረፀ። እዙይ ከዓ፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:27–29
ኦ ጐይታ፥ ልበይ ኣይተዓበየኒ፤ ኣዒንተይውን ልዕል ልዕል ኣይበላኒ።
ዳዊት 131:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 ሓም 2026
ሮሜ 8:17 · ገላትያ 3:29
2 ሓም 2026
ዘፀኣት 12:43 · ዕብራውያን 13:10
1 ሓም 2026
ገላትያ 5:22 · ኤፌሶን 5:1
30 ሰነ 2026
ራእይ 3:19 · ዕብራውያን 12:5–6
29 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:3 · ዮሃንስ 6:40
28 ሰነ 2026
ኢዮብ 19:25 · ሮሜ 5:10






