30 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 1 ሓምለ: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሕያዋይነት (ገላትያ 5:22)
ዕለታዊ ብርሃን
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ ... ሕያዋይነት።
ገላትያ 5:22
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ።
ኤፌሶን 5:1
ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ማቴዎስ 5:44–45
ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
ሉቃስ 6:36
ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ።
ኤፌሶን 5:9
ናይቲ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ሕያዋይነትን ፍቕርን ምስ ተገልፀ ግና፥ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና። ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
ቲቶ 3:4–6
እግዚኣብሄር ንዝዕገስዎ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሑ እዩ።
ዳዊት 145:9
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ረድአና እንትብል ድማ፥ ኣቤንዔዘር ኢሉ ሰመዮ።
1ይ ሳሙኤል 7:12
ተሸገርኩ፤ ንሱውን ኣድሓነኒ።
ዳዊት 116:6
ንቓል ልመናይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን። እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ዳዊት 28:6–7
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ። ብገዛእቲ ተስፋ ኻብ ምግባር፥ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር ይበልፅ።
ዳዊት 118:8–9
ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።
ዳዊት 146:5
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
ዳዊት 107:7
ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ዝተዛረቦ ፅቡቕ ነገር ተፈፀመ። ካብቲ ዝበሎ ሓደ ቓል እኳ እንተይተረፈ ዅሉ ተፈፂሙ እዩ።
ኢያሱ 21:45
ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን በልዎ።
ሉቃስ 22:35
ረዳእየይ ኴንኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ።
ዳዊት 63:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:3 · ዮሃንስ 6:40
28 ሰነ 2026
ኢዮብ 19:25 · ሮሜ 5:10
27 ሰነ 2026
ራእይ 6:17 · ሚልክያስ 3:2
26 ሰነ 2026
1ይ ዜና 4:10 · ምሳሌ 10:22
25 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:2 · ዮሃንስ 1:12
24 ሰነ 2026
ዘሑልቍ 10:33 · ዳዊት 31:15






