1 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 2 ሓምለ: እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን “ሕጊ ፋሲካ እዙይ እዩ፦ ጓና ዝኾነ ኻብኡ ኣይብላዕ።
ዘፀኣት 12:43
እቶም ነታ ድንኳን ዘገልግሉ፥ ካብኡ ኽበልዑ ዘይግብኦም፥ ንኣና መሰውኢ ኣለና።
ዕብራውያን 13:10
ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ።
ዮሃንስ 3:3
ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፥ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸዓ፥ ብዘይ እግዚኣብሄር እትነብሩ ... ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም።
ኤፌሶን 2:12–13
ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ ... ነቶም ክልተ ዝነበሩ፥ ብእኡ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽገብሮም፥ ንሕጊ ምስ ትእዛዛቱን ስርዓቱን፥ ብስጋኡ ስዒሩ ሰላም ገበረ።
ኤፌሶን 2:14–15
እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
ኤፌሶን 2:19
ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ፥ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፥ ናብኡ ኽኣቱ፥ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።
ራእይ 3:20
ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቓል ንሳልሳይ ጊዜ ፀለየ።
ማቴዎስ 26:44
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
ዕብራውያን 5:7
ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፤ ብዝበለፀ ኽንፈልጦ ድማ ንከተሎ።
ሆሴዕ 6:3
ብፀሎት ፅንዑ።
ሮሜ 12:12
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ኤፌሶን 6:18
ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ግና ኸም ናተይ ፍቓድ ዘይኮነስ፥ ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን! በለ።
ማቴዎስ 26:39
ከምቲ ፍቓዱ ጌርና፥ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ፥ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።
1ይ ዮሃንስ 5:14
ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልካ፤ ልብኻ ዝደልዮውን ንሱ ኽህበካ እዩ። መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ሓደራ ሃብ፤ ብእኡውን ተኣመን፤ ንሱ ድማ ኽገብረልካ እዩ።
ዳዊት 37:4–5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ30 ሰነ 2026
ራእይ 3:19 · ዕብራውያን 12:5–6
29 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:3 · ዮሃንስ 6:40
28 ሰነ 2026
ኢዮብ 19:25 · ሮሜ 5:10
27 ሰነ 2026
ራእይ 6:17 · ሚልክያስ 3:2
26 ሰነ 2026
1ይ ዜና 4:10 · ምሳሌ 10:22
25 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:2 · ዮሃንስ 1:12






