24 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 25 ሰነ: ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ (1ይ ቆሮንቶስ 13:12)
ዕለታዊ ብርሃን
ክርስቶስ እንትግለፅ ግና፥ ከምታ ዘለዋ ኽንሪኦ ኢና እሞ፥ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:2
ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም።
ዮሃንስ 1:12
በዙይውን፥ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ረኸብና፤ በዛ ተስፋ እዚኣ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፉእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፥ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም።
2ይ ጴጥሮስ 1:4
ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።
ኢሳይያስ 64:4
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 13:12
መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፅበ ኣለና። ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:20–21
ኣነ ግና ብፅድቂ፥ ገፅካ ኽርኢ እየ፤ ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ዳዊት 17:15
ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ።
ዘካርያስ 13:7
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
ቈላስይስ 2:9
ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
ዳዊት 89:19
“ኣነ በይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረገፅክዎ፤ ካብ ህዝብታት ከዓ።
ኢሳይያስ 63:3
ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ።
1ይ ጢሞቴዎስ 3:16
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ኢሳይያስ 9:6
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ዕብራውያን 1:3
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር።
ዕብራውያን 1:8
ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ ይብል።
ዕብራውያን 1:6
ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።
ራእይ 19:16
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ሰነ 2026
ዮሃንስ 14:16–17 · ዮሃንስ 16:7
22 ሰነ 2026
ቈላስይስ 3:3 · ሮሜ 6:2
21 ሰነ 2026
1ይ ጴጥሮስ 2:21 · ማርቆስ 10:45
20 ሰነ 2026
ዘፀኣት 2:9 · ማቴዎስ 20:4
19 ሰነ 2026
ዕብራውያን 12:14 · ዮሃንስ 3:3
18 ሰነ 2026
ዘፀኣት 25:21–22 · ዕብራውያን 9:8





