19 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 20 ሰነ: እታ ጓል ፈርዖን ድማ ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ
ዕለታዊ ብርሃን
እታ ጓል ፈርዖን ድማ “ነዝ ህፃን እዙይ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፤ ኣነ ኸዓ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” በለታ።
ዘፀኣት 2:9
ንኣኣቶም ከዓ ‘ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይነይ ኪዱ እሞ ስርሑ፤ እቲ ዝግባእ ክኸፍለኩም እየ’ በሎም።
ማቴዎስ 20:4
ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ስለ ዝኾንኩም፥ ኵሉ ፅዋዕ ማይ ብስመይ ዘስትየኩም፥ ዓስቡ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ማርቆስ 9:41
ለጋስ ነፍሲ፥ የመና ትፀግብ፤ እቲ ዘርዊ ኸዓ ንባዕሉ ይረዊ።
ምሳሌ 11:25
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም ... እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ዕብራውያን 6:10
ኵሎም ከከም ፃዕሮም፥ ዋጋኦም ክረኽቡ እዮም።
1ይ ቆሮንቶስ 3:8
መኣዝ ጠሚኻ ርኢናካስ ኣብሊዕናካ? ወይ ፀሚእኻስ ኣስቲናካ? መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኢናካስ ተቐቢልናካ? ወይ ዓሪቕካስ ከዲንናካ? እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም። ... ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።
ማቴዎስ 25:37–38, 40, 34
ኣሰረይን ዕረፍተይን ንስኻ መርመርካ።
ዳዊት 139:3
ያእቆብ ከዓ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፥ “ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፥ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ድማ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርሕ እያ! እዚኣ ቤት እግዚኣብሄር እያ እምበር፥ ካልእ ኣይኮነትን። እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” በለ።
ዘፍጥረት 28:16–17
ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ።
2ይ ዜና 16:9
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
ዳዊት 4:8
ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤ ክፉእ ነገር ናባኻ ኣይቐርብን፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን። ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልዉኻ፥ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ።
ዳዊት 91:9–11
ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።
ምሳሌ 3:24
ካብ ዝተቐመጥኩምዎ ተስኡ።
ዳዊት 127:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 ሰነ 2026
ዘፀኣት 25:21–22 · ዕብራውያን 9:8
17 ሰነ 2026
ፊልጵስዩስ 4:6 · ዳዊት 116:1–2
16 ሰነ 2026
ኤፌሶን 5:15–16 · ኢያሱ 22:5
15 ሰነ 2026
ዘዳግም 29:29 · ዳዊት 131:1–2
14 ሰነ 2026
ፊልጵስዩስ 3:10 · 1ይ ጴጥሮስ 4:13
13 ሰነ 2026
ዮሃንስ 15:4 · ገላትያ 2:20





