13 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 14 ሰነ: ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ (2ይ ቆሮንቶስ 1:5)
ዕለታዊ ብርሃን
ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:5
ከምኡ ኸዓ ንክርስቶስን፥ ንሓይሊ ትንሳኤኡን ክፈልጥ፥ ኣብ መከራኡ ኽካፈል፥ ብሞቱውን ንእኡ ኽመስሎ እሞ።
ፊልጵስዩስ 3:10
ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:13
ምስኡ እንተ ሞትና፥ ምስኡ ኸዓ ብህይወት ክንነብር ኢና።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:11
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ሮሜ 8:17
ስለዙይውን እግዚኣብሄር፥ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ፥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብገሃድ ከርእዮም ምስ ደለየ፥ ብማሕላ ኣረጋገፀሎም። እምበኣር ንሕና በዘን ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፥ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፥ እግዚኣብሄር ከዓ ብኣኣተን ክሕሱ ዘይከኣሎ፥ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ፥ ናብኡ ተማዕቚብና ዘለና፥ ብርቱዕ ምፅንናዕ ክንረክብ ኢና።
ዕብራውያን 6:17–18
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ፤ ብሰናይ ግብርን ቃልን ከዓ የበርትዕኹም።
2ይ ተሰሎንቄ 2:16–17
ንምንታይ ብብዙሕ ትጭነቒን ትህወኺን ኣለኺ?
ሉቃስ 10:41
እስኪ ናብ ኳዃት ተመልከቱ፤ እግዚኣብሄር ይቕልቦም እምበር ኣይዘርኡ፤ ... ዕምበባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፤ ኣይፅዕሩ ኣይፈትሉ፤ ... ንስኻትኩም ከዓ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይከ ኽንሰቲ ኢና?’ ኢልኩም ኣይትሸበሩን ኣይትጨነቑን። ... እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።
ሉቃስ 12:24, 27, 29–30
ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ። እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና፥ ብዘጥፍእን ብዘበላሹን፥ ንሰባትውን ብዘጥልቕን፥ ብዘስንፍን፥ ብዝጐድእን፥ ኣብ መፃወድያ ትምኒትን ፈተናን ይወድቁ። ፍቕሪ ገንዘብ፥ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሱር እዩ እሞ፤ ገሊኣቶም ብሰንኪ ህርፋን ገንዘብ፥ ካብ መንገዲ እቲ እምነት ወፂኦም፥ ንባዕላቶም ብዙሕ ስቓይ ኣምፅኡ።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:8–10
እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።
ማርቆስ 4:19
ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ዕብራውያን 12:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 ሰነ 2026
ዘሑልቍ 31:23 · ዘዳግም 13:3
11 ሰነ 2026
ሉቃስ 15:20 · ዳዊት 103:8–13
10 ሰነ 2026
ሉቃስ 15:13 · 1ይ ቆሮንቶስ 6:11
9 ሰነ 2026
ዮሃንስ 7:46 · ዳዊት 45:2
8 ሰነ 2026
ዘፍጥረት 39:3 · ዳዊት 128:1–2
7 ሰነ 2026
ሉቃስ 18:1 · ሉቃስ 11:5–8






