9 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ሰነ: ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ
ዕለታዊ ብርሃን
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ ... ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ።
ሉቃስ 15:13
ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 6:11
ብባህርይና ኸምቶም ካልኦት፥ ደቂ ቝጥዓ ነበርና። ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌሶን 2:3–6
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:10
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። ንሕና ፀላእቱ እንተለና፥ ምስ እግዚኣብሄር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ፥ ብህይወት ወዱ፥ ክንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
ሮሜ 5:8, 10
ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
ቈላስይስ 3:13
ንሓደ መለቅሒ፥ ክልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፤ ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፥ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዝኸፍልዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፥ ንኽልቲኦም ሓደገሎም።
ሉቃስ 7:41–42
ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን? በሎ።
ማቴዎስ 18:32–33
ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ። ንስኻትኩም ይቕረ እንተ ዘይልኩም፥ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩምውን፥ በደልኩም ይቕረ ኣይብለልኩምን እዩ” በሎም።
ማርቆስ 11:25–26
እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ። ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ቈላስይስ 3:12–13
ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።
ማቴዎስ 18:21–22
መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ።
ቈላስይስ 3:14
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ሰነ 2026
ዘፍጥረት 39:3 · ዳዊት 128:1–2
7 ሰነ 2026
ሉቃስ 18:1 · ሉቃስ 11:5–8
6 ሰነ 2026
ሶፎንያስ 3:17 · ዘዳግም 7:7–8
5 ሰነ 2026
ሉቃስ 17:10 · ሮሜ 3:27
4 ሰነ 2026
ሓጌ 2:9 · 1ይ ዜና 22:5
3 ሰነ 2026
ማቴዎስ 25:13 · ሉቃስ 21:34–36






