5 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 6 ሰነ: ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ብፍቕሩውን ክዓርፍ እዩ፤ ብፍፁም ሓጐስ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
ሶፎንያስ 3:17
“እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝመረፀኩምን፥ ካብ ኵሎም ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኹም ኣይኮነን፤ ካብ ኵሎም ንስኻትኩም ትውሕዱ። እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን።
ዘዳግም 7:7–8
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:19
ፀላእቱ ነበርኩም። ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም።
ቈላስይስ 1:21–22
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:10
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
ሮሜ 5:8
እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።
ማቴዎስ 3:17
መሊሰ ንኽወስዳ ንነፍሰይ ቤዛ ኣሕሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፥ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።
ዮሃንስ 10:17
ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ ... ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም፥ ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ሓጢኣትና ምስ ኣንፅሀውን፥ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሄር ተቐመጠ።
ዕብራውያን 1:2–3
እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ።
ዕብራውያን 10:20
ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ።
ዘፍጥረት 4:16
ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ።
ኢሳይያስ 59:2
ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ዕብራውያን 12:14
ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፥ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።
ዮሃንስ 14:6
ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:10
እቲ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መንገዲ፥ ገና ኸም ዘይተገለፀ መንፈስ ቅዱስ የርኢ ኣሎ።
ዕብራውያን 9:8
ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብስጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ፥ ንሱ ሰላምና እዩ እሞ።
ኤፌሶን 2:14
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ።
ማቴዎስ 27:51
እታ ናብ ህይወት እትወስድ በሪ ግና ፀባብ እያ፤ መንገዳውን ቀጢን እዩ፤ እቶም ዝረኽብዋ ኸዓ ውሑዳት እዮም።”
ማቴዎስ 7:14
መንገዲ ህይወት ኣርአኻኒ፤ ምስ ገፅካ ታሕጓስ ኣፅገብካኒ፤ ኣብ የማንካውን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣሎ።
ዳዊት 16:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 ሰነ 2026
ሓጌ 2:9 · 1ይ ዜና 22:5
3 ሰነ 2026
ማቴዎስ 25:13 · ሉቃስ 21:34–36
2 ሰነ 2026
ዘፀኣት 12:11 · ሚክያስ 2:10
1 ሰነ 2026
ገላትያ 5:22 · ዘፀኣት 34:6
31 ግን 2026
ዘፍጥረት 32:28 · ሆሴዕ 12:3–4
30 ግን 2026
ዕብራውያን 4:11 · ማቴዎስ 7:13–14






