30 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 31 ጉንበት: ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ (ሆሴዕ 12:3)
ዕለታዊ ብርሃን
ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
ዘፍጥረት 32:28
ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ። ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ።
ሆሴዕ 12:3–4
ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።
ሮሜ 4:20
ብእግዚኣብሄር እመኑ፤ ኵሉ እቲ ዝልምኖ ኸም ዝፍፀም እንተይተጠራጠረ ብልቡ ዝኣምን፥ ነዝ እምባ እዙይ ‘ካብዙይ ተልዒልካ ናብቲ ባሕሪ ተወርወር’ እንተ በሎ፥ ከም ዝኾነሉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስለዙይ ኵሉ እትፅልይዎን እትልምንዎን፥ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ እሞ፥ ክኾነልኩም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ማርቆስ 11:22–24
ኢየሱስ ድማ “ ‘ትኽእል እንተ ዄንካዶ ትብል ኣለኻ?’ ንዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎ።
ማርቆስ 9:23
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተነግረኪ ቓል ከም ዝፍፀም እትኣምኒ፥ ብፅእቲ ኢኺ።”
ሉቃስ 1:45
ሃዋርያት ድማ ንጐይታ “እምነት ወስኸና” በልዎ።
ሉቃስ 17:5
እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ።
1ይ ዮሃንስ 2:28
እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል። እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
ያእቆብ 1:6–8
ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤ እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን። ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
ገላትያ 1:6–8
ኣቱም፥ ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ፥ ካብ ክርስቶስ ተፈሊኹም ኢኹም፤ ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኩም ኢኹም። ... ቅድም ፅቡቕ ትጐዩ ኔርኩም።
ገላትያ 5:4–7
ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን። ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
ዮሃንስ 15:4, 7
ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል።
2ይ ቆሮንቶስ 1:20
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 ግን 2026
ዘሌዋውያን 17:11 · ዮሃንስ 1:29
28 ግን 2026
ፊልጵስዩስ 3:20 · ቲቶ 2:11–14
27 ግን 2026
ናሆም 1:7 · ኤርሚያስ 33:11
26 ግን 2026
ዕብራውያን 13:20 · 1ይ ጴጥሮስ 5:4
25 ግን 2026
ዳዊት 31:19 · ኢሳይያስ 64:4
24 ግን 2026
ኤፌሶን 4:30 · ሮሜ 15:30






