31 ግን 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 1 ሰነ: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ (ገላትያ 5:22)
ዕለታዊ ብርሃን
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ ... ትዕግስቲ፥ ልግሲ።
ገላትያ 5:22
እግዚኣብሄር፥ መሓሪ፥ ለጋስ፥ ዓቃል፥ ሕያዋይነቱን ሓቁን ዝበዝሐ።
ዘፀኣት 34:6
ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ። ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ንስንሳትኩም ብፍቕሪ እናተፃወርኩም ድማ፥ ዕጉሳት ኩኑ።
ኤፌሶን 4:1–2
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።
ያእቆብ 3:17
ፍቕሪ ይዕገስ፤ ፍቕሪ ይርህርህ።
1ይ ቆሮንቶስ 13:4
ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ገላትያ 6:9
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምፅኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።
ያእቆብ 5:7–8
ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ማቴዎስ 1:23
“ግና፥ ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ? እንሆ፥ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይኽእሉን።
2ይ ዜና 6:18
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ዮሃንስ 1:14
ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ።
1ይ ጢሞቴዎስ 3:16
ኣብዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ዕብራውያን 1:2
ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ፥ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መፂኡ ... እቶም ደቀ መዛሙርቱውን፥ ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ። ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ፥ ቶማስ ምስኣቶም ነበረ። ... ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምፅእ፤ ኣእዳወይውን ረአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምፅእ እሞ፥ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር፥ ዘይኣማኒ ኣይትኹን” በሎ። ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን! በሎ።
ዮሃንስ 20:19–20, 26–28
ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ... ኣቦ ዘለኣለም።
ኢሳይያስ 9:6
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ30 ግን 2026
ዕብራውያን 4:11 · ማቴዎስ 7:13–14
29 ግን 2026
ዘሌዋውያን 17:11 · ዮሃንስ 1:29
28 ግን 2026
ፊልጵስዩስ 3:20 · ቲቶ 2:11–14
27 ግን 2026
ናሆም 1:7 · ኤርሚያስ 33:11
26 ግን 2026
ዕብራውያን 13:20 · 1ይ ጴጥሮስ 5:4
25 ግን 2026
ዳዊት 31:19 · ኢሳይያስ 64:4






