4 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 5 ሰነ: ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም (ሉቃስ 17:10)
ዕለታዊ ብርሃን
ንስኻትኩም ኵሉ ዝተኣዘዝኩምዎ ምስ ገበርኩም፥ ‘ንሕና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ኢና።
ሉቃስ 17:10
ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ብግብሪ ሕጊ ድዩ? ኣይኮነን፤ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር።
ሮሜ 3:27
ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? ዝተቐበልካ ኻብ ኮንካኸ፥ ስለ ምንታይ ከም ዘይተቐበልካ እትምካሕ?
1ይ ቆሮንቶስ 4:7
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ኸይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን። ንሕና ፍጥረቱ ኢናሞ፥ ምእንቲ ኽንመላለሰሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተፈጠርና።
ኤፌሶን 2:8–10
እቲ ኾይነዮ ዘለኹ ግና፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር እየ ኾይነዮ ዘለኹ፤ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ፀጋ ኸዓ፥ ከንቱ ኣይኮነን፤ እኳ ደኣ ሕልፊ ዅላቶም ፀዓርኩ። እንተ ኾነ፥ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ፀጋ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን።
1ይ ቆሮንቶስ 15:10
ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ።
ሮሜ 11:36
ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ።
1ይ ዜና 29:14
ኵሉ ህያው ኣብ ቅድሜኻ ፃድቕ ኣይኮነንሞ፥ ምስ ባርያኻ ናብ ፍርዲ ኣይትእቶ።
ዳዊት 143:2
ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
ዳዊት 103:14
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ።
ዘፍጥረት 2:7
ግሩምን ዘደንቕን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፥ ከመስግነካ እየ፤ ስራሕኻ ዘደንቕ እዩ፤ ነፍሰይውን ነዙይ ብሓቂ ትፈልጦ እያ። ኣነ ብስውር እንትስራሕ፥ ኣካለይውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ እንትስራሕ ... ነቲ ገና ዘይተሰርሐ ኣካለይ፥ ኣዒንትኻ ረአያ፤ እቶም ዝተፈጠሩ መዓልትታተይ ሓደኳ እንተይነበረ፥ ኣብ መፅሓፍካ ተፅሓፉ።
ዳዊት 139:14–16
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን?
ሚልክያስ 2:10
ገሊኣቶም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ እግዚኣብሄር ኢና’ ኸም ዝብልዎ።
ግብሪ ሃዋርያት 17:28
ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
ዳዊት 103:13
ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን። ወፂኡ ዘይምለስ መንፈስ፥ ስጋ ኸም ዝኾኑ ዘከረ።
ዳዊት 78:38–39
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 ሰነ 2026
ማቴዎስ 25:13 · ሉቃስ 21:34–36
2 ሰነ 2026
ዘፀኣት 12:11 · ሚክያስ 2:10
1 ሰነ 2026
ገላትያ 5:22 · ዘፀኣት 34:6
31 ግን 2026
ዘፍጥረት 32:28 · ሆሴዕ 12:3–4
30 ግን 2026
ዕብራውያን 4:11 · ማቴዎስ 7:13–14
29 ግን 2026
ዘሌዋውያን 17:11 · ዮሃንስ 1:29






