8 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ሰነ: ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ፤ ሞገስ ብኸናፍርካ ወሓዘ
ዕለታዊ ብርሃን
እቶም ሓሻኽር ከዓ “ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን” ኢሎም መለሱ።
ዮሃንስ 7:46
ፅባቐኻ ኻብ ደቂ ሰብ ይምልክዕ፤ ሞገስ ብኸናፍርካ ወሓዘ፤ ስለዙይ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኸካ።
ዳዊት 45:2
ንድኹም ብቓል ምፅንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ኣንደበት ሃበኒ። ንግሆ ንግሆ የንቅሐኒ።
ኢሳይያስ 50:4
ኣፉ የመና ጥዑም እዩ፤ ኵለንትናኡ ኸዓ ፍትዊ እዩ፤ ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ፍቱወይ እዙይ እዩ።
መሃልየ 5:16
እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
ሉቃስ 4:22
ከም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ፥ ከም በዓል ስልጣን ይምህሮም ነበረ እሞ።
ማቴዎስ 7:29
ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም።
ቈላስይስ 3:16
ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ኤፌሶን 6:17
ቃል እግዚኣብሄር ህያውን ዝሰርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን።
ዕብራውያን 4:12
ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ። በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 10:4–5
ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥ ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ።
ኢዮብ 20:5
ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
ዘፍጥረት 3:15
ጊዜ ናይ ፀልማት በዓል ስልጣንን እዩ” በሎም።
ሉቃስ 22:53
ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ።
ዕብራውያን 2:14
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ቈላስይስ 2:15
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን። ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ።
1ይ ጴጥሮስ 5:8–9
ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
ያእቆብ 4:7
ሓጢኣተኛ ነቲ ፃድቕ ይፍሕሰሉ፤ ኣስናኑውን ኣብ ልዕሊኡ ይሕርቅም። እግዚኣብሄር ግና፥ ይስሕቖ፤ መዓልቱ ኸም ዝበፅሕ ይፈልጥ እዩሞ።
ዳዊት 37:12–13
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ።
ሮሜ 16:20
እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ ... ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
ራእይ 20:10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ሰነ 2026
ሉቃስ 18:1 · ሉቃስ 11:5–8
6 ሰነ 2026
ሶፎንያስ 3:17 · ዘዳግም 7:7–8
5 ሰነ 2026
ሉቃስ 17:10 · ሮሜ 3:27
4 ሰነ 2026
ሓጌ 2:9 · 1ይ ዜና 22:5
3 ሰነ 2026
ማቴዎስ 25:13 · ሉቃስ 21:34–36
2 ሰነ 2026
ዘፀኣት 12:11 · ሚክያስ 2:10






