10 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 11 ሰነ: ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ (ሉቃስ 15:20)
ዕለታዊ ብርሃን
ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።
ሉቃስ 15:20
እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ። ኵልሻዕ ኣይቐስፍን፤ ንዘለኣለምውን ኣይቝጣዕን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዐናን፤ ከም መጠን በደልናውን ኣይፈደየናን። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ኣፅንዐ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
ዳዊት 103:8–13
መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ሮሜ 8:15–16
ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
ኤፌሶን 2:13, 19
ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ በለ።
ራእይ 21:5
ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ክሪኣ ኸቶ ኸም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ።
ዮሃንስ 3:3
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:17
ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
ሕዝቅኤል 36:26
ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ።
1ይ ቆሮንቶስ 5:7
ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።
ኤፌሶን 4:24
በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።
ኢሳይያስ 62:2
“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ፥ እቶም ቀዳሞት ኣይዝከሩን፤ ኣብ ልቢውን ኣይሕሰቡን እዮም።
ኢሳይያስ 65:17
እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 ሰነ 2026
ዮሃንስ 7:46 · ዳዊት 45:2
8 ሰነ 2026
ዘፍጥረት 39:3 · ዳዊት 128:1–2
7 ሰነ 2026
ሉቃስ 18:1 · ሉቃስ 11:5–8
6 ሰነ 2026
ሶፎንያስ 3:17 · ዘዳግም 7:7–8
5 ሰነ 2026
ሉቃስ 17:10 · ሮሜ 3:27
4 ሰነ 2026
ሓጌ 2:9 · 1ይ ዜና 22:5






