11 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 12 ሰነ: ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ (ዘሑልቍ 31:23)
ዕለታዊ ብርሃን
ኵሉ ሓዊ ዝኽእል ነገር ብሓዊ ሓሊፉ ይንፃህ።
ዘሑልቍ 31:23
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ።
ዘዳግም 13:3
ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም።
ሚልክያስ 3:3
ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ፥ ብሓዊ ኽትግለፅ ስለ ዝኾነት ክትቀልዖ እያ፤ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ከመይ ከም ዝኾነ ኸዓ፥ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:13
ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ንዝዕገትኪውን ፈፂመ ኸፅርዮ፥ ንዅሉ ቆርቆሮኺ እውን ከወግዶ እየ።
ኢሳይያስ 1:25
እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ።
ኤርሚያስ 9:7
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ፈተንካና፤ ንብሩር ከም ዝፍትንዎውን ፈተንካና። ... ብማእኸል ሓዊን ማይን ኣሕለፍካና፤ ናብ ዕረፍቲ እውን ኣውፃእኻና።
ዳዊት 66:10, 12
ብማእኸል ሓዊ እንተ ኸድካ ኸዓ፥ ኣየንድደካን እዩ፤ እቲ ነበልባሉውን ኣየቃፅለካን እዩ።
ኢሳይያስ 43:2
ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ።
1ይ ጴጥሮስ 2:24
ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤ ብመንፈስ ኣእምሮኹም ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።
ኤፌሶን 4:22–24
ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
ቈላስይስ 3:3
ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ። እምበኣር ንስጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትእዘዙ፥ ኣብዝ መዋቲ ስጋኹም፥ ሓጢኣት ኣይንገስ። ... ኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ክኸውን፥ ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ፥ መሳርሒ ፅድቂ ክኸውን፥ ንእግዚኣብሄር ደኣ ወፍይዎ።
ሮሜ 6:4, 6–7, 11–13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ10 ሰነ 2026
ሉቃስ 15:13 · 1ይ ቆሮንቶስ 6:11
9 ሰነ 2026
ዮሃንስ 7:46 · ዳዊት 45:2
8 ሰነ 2026
ዘፍጥረት 39:3 · ዳዊት 128:1–2
7 ሰነ 2026
ሉቃስ 18:1 · ሉቃስ 11:5–8
6 ሰነ 2026
ሶፎንያስ 3:17 · ዘዳግም 7:7–8
5 ሰነ 2026
ሉቃስ 17:10 · ሮሜ 3:27






