16 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 17 ሰነ: እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ
ዕለታዊ ብርሃን
ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ፊልጵስዩስ 4:6
እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ። እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።
ዳዊት 116:1–2
“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ።
ማቴዎስ 6:7
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና።
ሮሜ 8:26
ኵሎም ሰብኡት፥ ካብ ኵራን ባእስን ርሒቖም፥ ኣብ ኵሉ ስፍራ፥ ቅዱሳት ኣእዳዎም ኣልዒሎም፥ ክፅልዩ እደሊ ኣለኹ።
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ኤፌሶን 6:18
ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ማቴዎስ 18:19
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ስራሕኻ የመስግነካ፤ ቅዱሳንካውን ይባርኹኻ።
ዳዊት 145:10
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ምስጋናኡውን ኣይትረስዒ።
ዳዊት 103:1–2
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ።
ዳዊት 34:1
ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ እየ፤ ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ።
ዳዊት 145:2
ምሕረትካ ኻብ ህይወት ይበልፅ እዩሞ፥ ከናፍረይ የመስግናኻ። ከምኡ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ኸመስግነካ እየ፤ ብስምካውን ኣእዳወይ ከልዕል እየ። ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና።
ዳዊት 63:3–5
ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተመስግኖ፤ መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፥ ብመድሓኒየይ ደስ ይብላ።
ሉቃስ 1:46–47
“ኦ ጐይታናን ኣምላኽናን፥ ንስኻ፥ ክብርን ምስጋናን ስልጣንን ክትቅበል ይግበአካ እዩ። ንዅሉ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ፥ ተፈጢሩን ህላዌ ረኺቡን ኣሎሞ” በሉ።
ራእይ 4:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ሰነ 2026
ዘዳግም 29:29 · ዳዊት 131:1–2
14 ሰነ 2026
ፊልጵስዩስ 3:10 · 1ይ ጴጥሮስ 4:13
13 ሰነ 2026
ዮሃንስ 15:4 · ገላትያ 2:20
12 ሰነ 2026
ዘሑልቍ 31:23 · ዘዳግም 13:3
11 ሰነ 2026
ሉቃስ 15:20 · ዳዊት 103:8–13
10 ሰነ 2026
ሉቃስ 15:13 · 1ይ ቆሮንቶስ 6:11






