21 ሰነ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 22 ሰነ: ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ
ዕለታዊ ብርሃን
ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
ቈላስይስ 3:3
ንሕና ኻብ ሓጢኣት ፈፂምና ተፈሊና እናበልናስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ፥ ኣብ ሓጢኣት ክንነብር?
ሮሜ 6:2
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
ገላትያ 2:20
እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:15
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:17
ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ።
1ይ ዮሃንስ 5:20
ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ።
ዮሃንስ 17:21
እምበኣርከስ ንስኻትኩም፥ ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ፥ ኣካላቱ ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 12:27
ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።
ዮሃንስ 14:19
ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’
ራእይ 2:17
ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ።
ዮሃንስ 11:36
እቶም ብህይወት ዝነብሩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:15
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
ዮሃንስ 15:13
ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:25
ኣይምበልኩኹምን ነይረ።
ዮሃንስ 14:2
ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
ዮሃንስ 14:3
ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ንኣይ ብምፍቃርካ፥ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽሪኡ።
ዮሃንስ 17:24
ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
ዮሃንስ 13:1
እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 4:19
ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ። እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14–15
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:10
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ20 ሰነ 2026
ዘፀኣት 2:9 · ማቴዎስ 20:4
19 ሰነ 2026
ዕብራውያን 12:14 · ዮሃንስ 3:3
18 ሰነ 2026
ዘፀኣት 25:21–22 · ዕብራውያን 9:8
17 ሰነ 2026
ፊልጵስዩስ 4:6 · ዳዊት 116:1–2
16 ሰነ 2026
ኤፌሶን 5:15–16 · ኢያሱ 22:5
15 ሰነ 2026
ዘዳግም 29:29 · ዳዊት 131:1–2





