ዕለታዊ ብርሃን, 30 ሰነ: ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ (ራእይ 3:19)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ።

ወደይ ተግሳፅ ጐይታ ኣይተቃልል፤ እንተ ቐፅዐካውን ተስፋ ኣይትቝረፅ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ፤ ነቲ ኸም ወዱ ዝተቐበሎውን ይቐፅዖ።

ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።

ንሱ ይሰብር፤ ይፅግንውን፤ የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ።

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።

ኣምከኽኩኻ፤ ብመከራ እቶን ፈተንኩኻ።

ፀገም ወይ መከራ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን።

ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይቀፅዐናን፤ ከም መጠን በደልናውን ኣይፈደየናን። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዝብል፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርሕዎ ኣፅንዐ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዝርሕቕ፥ ከምኡ ንበደልና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ። ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።

ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።

“ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኣቶም ዝስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ። ንስኻትኩም ግና ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እንተይለመንኩምዎ፥ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም።

ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ።

ክልተ ሰባት፥ ክፅልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፥ እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ተቐባሊ ቀረፅ ነበሩ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቶም ካልኦት፥ ከተርቲ፥ ዓመፅቲ፥ ዘመውቲ ሰባት፥ ወይ ከምዝ ተቐባሊ ቀረፅ እዙይ ስለ ዘይኮንኩ፥ አመስግነካ ኣለኹ። እቲ ተቐባሊ ቀረፅ ግና፥ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቈላሕ ከብል እኳ እንተይደፈረ፥ ‘ኦ ኣምላኽ፥ ንኣይ ንሓጢኣተኛ መሓረኒ’ እናበለ፥ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። ካብቲ ፈሪሳዊ፥ እቲ ተቐባሊ ቀረፅ፥ ፀዲቑ ናብ ገዛኡ ኸም ዝተመለሰ እብለኩም ኣለኹ።

ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ፀሎት ዝመሃሮም።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ