5 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 6 ሓምለ: ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ
ዕለታዊ ብርሃን
ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ።
ቈላስይስ 4:6
ብግቡእ ዝተዘርበ ቓል፥ ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ፃሕሊ ብሩር እዩ። ንትሰምዕ እዝኒ፥ ዝግስፅ ለባም ሰብ፥ ከም ኵትሻ ወርቅን ከም ዘንፀባርቕ ዕንቍን እዩ።
ምሳሌ 25:11–12
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።
ኤፌሶን 4:29
“ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።” “ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
ማቴዎስ 12:35, 37
መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ።
ምሳሌ 12:18
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ሚልክያስ 3:16
ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ።
ኤርሚያስ 15:19
ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።
2ይ ቆሮንቶስ 8:7
ምሕረትካ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩሞ።
ዳዊት 26:3
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።
ዳዊት 145:8
ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፤ ንፃድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፥ ንዝፀልኡኹም ፅቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝፀርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ፀልዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
ማቴዎስ 5:45
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
ኤፌሶን 5:1–2
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
ንሓቂ ብምእዛዝኩም፥ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት፥ ነፍስኹም ስለ ዘፅረኹም፥ ብምሉእ ልብኹም ንስንሳትኩም ተፋቐሩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:22
ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:14
ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም። ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ።
ሉቃስ 6:35–36
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ4 ሓም 2026
ዮሃንስ 13:23 · ኢሳይያስ 66:13
3 ሓም 2026
ሮሜ 8:17 · ገላትያ 3:29
2 ሓም 2026
ዘፀኣት 12:43 · ዕብራውያን 13:10
1 ሓም 2026
ገላትያ 5:22 · ኤፌሶን 5:1
30 ሰነ 2026
ራእይ 3:19 · ዕብራውያን 12:5–6
29 ሰነ 2026
1ይ ዮሃንስ 5:3 · ዮሃንስ 6:40






