22 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 23 ነሓሰ: ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ
ዕለታዊ ብርሃን
ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።
ኤርሚያስ 31:3
ኣቱም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣሕዋትና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐዲስኩምን፥ ነቲ ሓቂ ኣሚንኩምን፥ ምእንቲ ኽትድሕኑ፥ ካብ መጀመርታ ስለ ዝሓረየኩም፥ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ክነመስግኖ፥ ግቡእና እዩ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ተኻፈልቲ ምእንቲ ኽትኮኑ ኢሉ፥ በቲ ንሕና እንሰብኮ ወንጌሉ ፀውዐኩም።
2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:9
ነቲ ገና ዘይተሰርሐ ኣካለይ፥ ኣዒንትኻ ረአያ፤ እቶም ዝተፈጠሩ መዓልትታተይ ሓደኳ እንተይነበረ፥ ኣብ መፅሓፍካ ተፅሓፉ።
ዳዊት 139:16
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
ዮሃንስ 3:16
ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 4:10
ኣነ ገበርኩኹም፥ ኣነውን ከተስእ እየ።
ኢሳይያስ 46:4
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብውሽጢ ማያት እንትትሓልፍ፥ ምሳኻ ክኸውን እየ፤ ብውሕጅ እንትትሳገር፥ ኣየስጥመካን እዩ።
ኢሳይያስ 43:1–2
ክሳዕ እርጋንኩም ኣነ እየ፤ ክሳዕ ሲበትውን ክፆረኩም እየ፤ ኣነ ገበርኩኹም።
ኢሳይያስ 46:4
ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም።
ዘዳግም 32:11–12
ብዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ኣልዓሎምን ተሸከሞምን።
ኢሳይያስ 63:9
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
ዕብራውያን 13:8
ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት ... ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ሮሜ 8:38–39
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ኢሳይያስ 49:15
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 ነሓ 2026
ዳዊት 119:57 · 1ይ ቆሮንቶስ 3:21
20 ነሓ 2026
ዘሑልቍ 23:19 · ያእቆብ 1:17
19 ነሓ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:15 · 1ይ ተሰሎንቄ 2:11–12
18 ነሓ 2026
ዘዳግም 3:24 · ዳዊት 89:6
17 ነሓ 2026
ያእቆብ 5:16 · ዘፍጥረት 18:27–28
16 ነሓ 2026
1ይ ዜና 22:5 · 1ይ ጴጥሮስ 2:5






