20 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 21 ነሓሰ: ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር፥ ግደይ ኢኻ።
ዳዊት 119:57
ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:21, 23
ንፅበ ኣለና። ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና።
ቲቶ 2:13–14
ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ።
ኤፌሶን 1:22
ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ኤፌሶን 5:25, 27
ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር።
ዳዊት 34:2
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ኢሳይያስ 61:10
ኣብ ሰማይ ብዘይ ንስኻ መን ኣለኒ? ኣብ ምድሪኸ እንትርፊ ንኣኻ ዝደልዮ እንታይ ኣለኒ? ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
ዳዊት 73:25–26
ንእግዚኣብሄር፥ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ በልኩ፤ ... እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤ ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ። ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤ ርስተይውን ፀበቐትለይ።
ዳዊት 16:2, 5–6
ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መንገዲ ኣላ፤ መወዳእታኣ ግና መንገዲ ሞት እዩ።
ምሳሌ 14:12
ብልቡ ዝእመን ሰብ ሰነፍ እዩ።
ምሳሌ 28:26
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ዳዊት 119:105
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ።
ዳዊት 17:4
ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም ... ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ።
ዘዳግም 13:1–4
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ዳዊት 32:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ነሓ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:15 · 1ይ ተሰሎንቄ 2:11–12
18 ነሓ 2026
ዘዳግም 3:24 · ዳዊት 89:6
17 ነሓ 2026
ያእቆብ 5:16 · ዘፍጥረት 18:27–28
16 ነሓ 2026
1ይ ዜና 22:5 · 1ይ ጴጥሮስ 2:5
15 ነሓ 2026
ዕብራውያን 13:20–21 · 2ይ ቆሮንቶስ 13:11
14 ነሓ 2026
ነህምያ 8:10 · ኢሳይያስ 49:13






