ዕለታዊ ብርሃን, 14 ነሓሰ: ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ በሎም

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ በሎም።

እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣፀናኒዑ እዩሞ፥ ንዝተሸገሩውን ክርህርሀሎም እዩ እሞ፥ ኣቱም ሰማያት፥ ዘምሩ፤ ኣቲ ምድሪ እውን፥ ተሓጐሲ፤ ኣቱም እምባታት ድማ፥ ዕልል በሉ።

እንሆ ኣምላኸይ መድሓኒየይ እዩ፤ ብእኡ እእመን፥ ኣይፈርሕንውን እየ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሓይለይን መዝሙረይን እዩሞ፥ ንሱ መድሓኒተይ ኮነ ኽትብል ኢኻ።

እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።

ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።

ስለዙይ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘገልግል፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።

በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።

ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።

ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ።

ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።

እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም፥ ብክርስቶስ ሓረየና። ስለ ዘፍቀረና፥ ብፅቡቕ ፍቓዱ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ናቱ ውሉድ ክንከውን፥ ኣቐዲሙ መረፀና።

ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈትዉዎን፥ ከም ፍቓዱውን ንዝተፀውዑን፥ ኩሉ ነገራት፥ እግዚኣብሄር ንሰናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና። ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም ... ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ፀውዖም፤ ነቶም ዝፀውዖም ድማ ኣፅደቖም፤ ነቶም ዘፅደቖምውን ኣኽበሮም።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።