10 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 11 ነሓሰ: ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ (ኢሳይያስ 25:8)
ዕለታዊ ብርሃን
እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ።
ዕብራውያን 2:14
ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:10
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኢሳይያስ 25:8
እቲ ዝጠፍእ ዘይጠፍእ፥ እቲ መዋታይ ዘይመውት ምስ ለበሰ፥ ሽዑ፦ “ሞት ተሸኒፉ ተውሓጠ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ። “ኦ ሞት፥ መውግኢኻ ኣበይ ኣሎ? ሲኦልከ ኣሸናፊነትካ ኣበይ ኣሎ?” ናይ ሞት መውግኢ፥ ሓጢኣት እዩ፤ ናይ ሓጢኣት ሓይሊ ኸዓ፥ ሕጊ እዩ። ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:54–57
እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7
ብማእኸል ፅላሎት ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፥ ንስኻ ምሳይ ኢኻሞ ነቲ ኽፉእ ኣይፈርሕን እየ፤ በትርኻን ምርኩስካን ንሳተን የፀናንዓኒ እየን።
ዳዊት 23:4
ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥ ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ።
ኢዮብ 38:19
ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን እትብል እያ።
1ይ ዮሃንስ 1:5
ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ።”
ዮሃንስ 9:5
“ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:6–7
በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና። ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና። ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ።
ቈላስይስ 1:12–14
ንስኻትኩምስ፥ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና፥ ደቂ ለይቲ ወይ ደቂ ፀልማት ኣይኮንናን።
1ይ ተሰሎንቄ 5:5
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ። ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ማቴዎስ 5:14, 16
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 ነሓ 2026
መሃልየ 4:7 · ኢሳይያስ 1:5–6
8 ነሓ 2026
ምሳሌ 4:18 · ፊልጵስዩስ 3:12
7 ነሓ 2026
ዮሃንስ 14:26 · ዮሃንስ 4:10
6 ነሓ 2026
ምሳሌ 3:12 · ዘዳግም 32:39
5 ነሓ 2026
ሮሜ 6:4 · ሮሜ 6:19
4 ነሓ 2026
ዮሃንስ 19:30 · ዕብራውያን 12:2






