4 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 5 ነሓሰ: ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።
ሮሜ 6:4
ከምቲ ንርኽሰትን፥ እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ፥ ኣካላትኩም ዝወፈኹም፥ ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብፅሕ ፅድቂ፥ ኣካላትኩም ወፍዩ።
ሮሜ 6:19
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ዘሐጕስን ፍፁምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ።
ሮሜ 12:1–2
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:17
ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝርከብ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ዝጠቕሞ የብሉን። ኣብቶም በዛ መምርሒ እዚኣ ዝነብሩ ዅሎምን፥ ኣብቶም ናይ እግዚኣብሄር እስራኤልን።
ገላትያ 6:15–16
እምበኣርከስ፥ ንስኻትኩም ድሕሪ ደጊም፥ ከምቲ ኣህዛብ በቲ ኸንቱ ዝኾኑ ሓሳባት ዝነብሩዎ ኸይትነብሩ እነግረኩም፤ ብጐይታውን እምስክር ኣለኹ።
ኤፌሶን 4:17
ንስኻትኩም ግና፥ ንክርስቶስ ከምዙይ ጌርኩም ኣይተምሃርኩምዎን። እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኹምዎ ዄንኩም፥ ብእኡ ኸዓ እንተ ደኣ ተምሂርኩም ኴንኩም፥ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ስለ ዘሎ፥ ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ፥ ልበስዎ።
ኤፌሶን 4:20–21, 24
ፍቓድካ ይኹን! እናበለ ደጊሙ ፀለየ።
ማቴዎስ 26:42
ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።
ኤርሚያስ 10:23
ከም ናትካ ፍቓድ ይኹን!” በለ።
ማቴዎስ 26:39
ንነፍሰይ ኣዕረፍክዋ፤ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ህፃን ስቕ ኣበልክዋ፤ ነፍሰይ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ኣብ ውሽጠይ እያ።
ዳዊት 131:2
ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና። እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።
ሮሜ 8:26–27
ኢየሱስ ግና መሊሱ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
ማቴዎስ 20:22
ንሱውን ዝለመንዎ ሃቦም፤ ግና ንነፍሶም ዕብራን ሰደደሎም።
ዳዊት 106:15
እዙይ ከዓ ኸምቲ ንሳቶም ነቲ ኽፉእ ዝተመነይዎ፥ ንሕናውን ምእንቲ ኸይንምነ፥ ምሳሌ ኾነና።
1ይ ቆሮንቶስ 10:6
ኣነ ግና ብዘይ ሓሳብ ክትነብሩ ድልየተይ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 7:32
በኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፥ እዛ በኣኻ እትእመን ነፍሲ፥ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ።
ኢሳይያስ 26:3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 ነሓ 2026
ሉቃስ 1:50 · ዳዊት 31:19–20
2 ነሓ 2026
ራእይ 13:8 · ዘፀኣት 12:5–7
1 ነሓ 2026
ኤፌሶን 2:8 · ዕብራውያን 11:6
31 ሓም 2026
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3 · ኢሳይያስ 55:4
30 ሓም 2026
ቈላስይስ 3:1 · ምሳሌ 4:5
29 ሓም 2026
ኢሳይያስ 64:1 · መሃልየ 8:14






