ዕለታዊ ብርሃን, 6 ነሓሰ: ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ (ምሳሌ 3:12)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ።

ኣነ ሕዚ እውን ኣነ በይነይ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ድማ ሕዚ ርአዩ፤ ኣነ እቐትል፥ ህያው ከዓ እገብር፤ ኣነ አቝስል፥ እፍውስ ድማ እየ፤ ካብ ኢደይ ዘምልጥ ከዓ የለን።

ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።

“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር።

ኣነ ኽሓባብላ ናብ ምድረ በዳውን ከምፅኣ እየ፤ ንልባ ድማ ኽዛረባ እየ።

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኸምኡ ኸም ዝግስፀኩም ብልብኹም ዘክሩ።

ኵሉ ቕፅዓት፥ ንጊዜኡ የሕዝን እምበር ኣየሐጕስን እዩ፤ ብትዕግስቲ ንዝተቐበልዎ ግና፥ ንሓዋሩ ሰላም ዝመልኦ፥ ናይ ፅድቂ ፍረ እዩ ዘፍርየሎም።

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፥ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፥ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ።

ኦ ጐይታ፥ ፍርድኻ ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ በቲ ሓቂኻውን ከም ዘጨነቕካኒ ፈለጥኩ።

ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር እያ።

እኽልን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፥ እቲ ንበዓል ዝበሃል ጣዖት ዝተሰርሐ፥ ብሩርን ወርቅን ኣነ ኸም ዘብዛሕኩላ ኣይፈለጠትን። ስለዙይ እኽለይ ብጊዜኡ፥ ወይነይ ከዓ ብወርሓቱ፥ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትሽፍነሉ ፀምረይን ሃረይን ድማ ኽቕንጥጣ እየ።

ኵሉ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ እዩ፤ ነቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸዓ ኢና ዝሃብናካ። ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኵሎም ኣቦታትና፥ መፃእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና። መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት ይሓልፋ፤ ንዅልሻዕ ኣብ ምድሪ ዝነብርውን የለን። ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! ... ካባኻ ዝመፀ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ናትካ እዩ።

ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!

በዝ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም።

ኵሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብምስጋና ንዝቕበሎ ኸዓ፥ በቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ፀሎትን፥ ዝቕደስ ስለ ዝኾነ፥ ሓደኳ ዝድርበ የብሉን።

ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ