6 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 7 ነሓሰ: ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ (ዮሃንስ 16:23)
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ኣብ፥ ብስመይ ዝሰዶ መፀናንዒ መንፈስ ቅዱስ።
ዮሃንስ 14:26
እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ ኢሉ መለሰላ።
ዮሃንስ 4:10
እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
ሉቃስ 11:13
ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
ዮሃንስ 16:23–24
ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።
ያእቆብ 4:2
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ።
ዮሃንስ 16:13–14
ንሳቶም ግና ኻብኡ ኸድዑ፤ ንቕዱስ መንፈሱውን ኣሕዘንዎ፤ ስለዙይ ፀላኢኦም ኮነ፤ ባዕሉውን ተዋግኦም።
ኢሳይያስ 63:10
ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም?
ማቴዎስ 22:42
ኣቱም መኳንንቲ በርታት ክፈቱ፤ ናይ ዘለኣለም ኣፍ ደገታትውን ይከፈቱ፤ እቲ ናይ ክብሪ ንጉስውን ይእቶ። እዝ ናይ ክብሪ ንጉስ መን እዩ? ናይ ሰራዊት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ናይ ክብሪ ንጉስ እዩ።
ዳዊት 24:9–10
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።
ራእይ 19:16
እምበኣር ንእትኣምኑ ንኣኻትኩም ክቡር እዩ። ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ እቲ “ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፥ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ”
1ይ ጴጥሮስ 2:7
ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና። ነቶም ፅዉዓት ግና፥ ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን፥ ክርስቶስ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሄርውን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:23–24
ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 3:8
ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካውን ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።
ዮሃንስ 21:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 ነሓ 2026
ሮሜ 6:4 · ሮሜ 6:19
4 ነሓ 2026
ዮሃንስ 19:30 · ዕብራውያን 12:2
3 ነሓ 2026
ሉቃስ 1:50 · ዳዊት 31:19–20
2 ነሓ 2026
ራእይ 13:8 · ዘፀኣት 12:5–7
1 ነሓ 2026
ኤፌሶን 2:8 · ዕብራውያን 11:6
31 ሓም 2026
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3 · ኢሳይያስ 55:4






