ጐይታ ቀረባ እዩ — ነሓሰ 7, 2026: ክልተ ዘርኢ ቃየንን ሴትን ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት

ጐይታ ቀረባ እዩአልፍሬድ ቦውተር

እግዚኣብሔር ቀሪቡ እዩ
ኩሉ ጽሑፋት

1 እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። 2 ምድሪ እውን ጥራሓ ነበረት፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይነበራን። ፀልማት ከዓ ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ነበረ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። 3 ሽዑ እግዚኣብሄር “ብርሃን ይኹን” በለ፤ ብርሃን ድማ ኾነ። 4 እግዚኣብሄር ድማ እቲ ብርሃን ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። እግዚኣብሄር ከዓ ንብርሃንን ንፀልማትን ፈለዮም። 5 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ብርሃን “መዓልቲ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀልማት ከዓ “ለይቲ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ቀዳመይቲ መዓልቲ። 6 እግዚኣብሄር “ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር፥ ኣብ መንጎ ማያት ይኹን” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 7 እግዚኣብሄር ከዓ ጠፈር ገበረ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፤ ከምኡውን ኮነ። 8 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ጠፈር “ሰማይ” ኢሉ ሰመዮ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ካልአይቲ መዓልቲ። 9 እግዚኣብሄር ድማ “እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓደ ቦታ ይተኣከብ፤ እቲ ንቑፅ መሬት ከዓ ይረአ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 10 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 11 እግዚኣብሄር ድማ “እታ ምድሪ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ዘርኢ ዘለዎ ሳዕርን ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋምን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 12 እታ ምድሪ ኸዓ በቝሊ፥ ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሳዕርን፥ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዝህብ ከከም ዓይነቱ ዝፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 13 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሳልሰይቲ መዓልቲ። 14 እግዚኣብሄር ድማ “ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፤ ንምልክት ንዘመናትን ንመዓልቲታትን ንዓመታትን ከዓ መፍለዪ ይኹኑ። 15 ኣብ ምድሪ ንምብራህ፥ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹኑ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 16 እግዚኣብሄር ከዓ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፤ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ፥ እቲ ንእሽተይ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥኑ፥ ከምኡውን ከዋኽብቲ ገበረ። 17-18 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፥ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኽስልጥኑ፥ ንብርሃንውን ካብ ፀልማት ክፈልዩ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 19 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ራብዐይቲ መዓልቲ። 20 እግዚኣብሄር ድማ “ማያት፥ ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ” በለ። 21 እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳታት ባሕርን፥ ነቶም ማያት ዘውፅኦም በብዓይነቱ ህይወት ዘለዎም ዝንቀሳቐሱ ዅሎምን፥ ክንፊ ዘለዎም በብዓይነቶም ኵሎም ኣዕዋፍን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 22 እግዚኣብሄር ድማ “ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንማያት ባሕሪ እውን ምልእዎ፤ ንኣዕዋፍ ከዓ ኣብ ምድሪ ብዝሑ” ኢሉ ባረኾም። 23 ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሓምሸይቲ መዓልቲ። 24 እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ፥ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፥ እንስሳን፥ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፥ ኣራዊትን ተውፅእ” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 25 እግዚኣብሄር ከዓ ኣራዊት ምድሪ በብወገኑ፥ እንስሳ በብወገኑ፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስውን በብወገኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ። 26 እግዚኣብሄር ከዓ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፥ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ” በለ። 27 እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም። 28 እግዚኣብሄር ከዓ “ብዝሑን ተባዝሑን፥ ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፥ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ንዝንቀሳቐስ ኵሉ እንስሳን ግዝኡ” ኢሉ ባረኾም። 29 እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሓመልማልን፥ ኣብ ውሽጡ ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ናይ ዅሉ ኣእዋም ፍረን ሂበኩም ኣለኹ እሞ፥ ምግቢ ይኹንኩም። 30 ንዅሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንዅሉ ኣራዊት ምድርን፥ ንዅሎም ኣዕዋፍ ሰማይን፥ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝበቍል ሓመልማል፥ ምግቢ ይኹነሎም” በለ፤ ከምኡውን ኮነ። 31 እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ። 1 ሰማያትን ምድርን እቲ ዅሉ ሰራዊቶምን ተፈፀሙ። 2 እግዚኣብሄር ድማ ዅሉ ስራሑ ብሽዱሽተ መዓልቲ ፈፂሙ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ኻብ ኵሉ ስራሑ ኣዕረፈ። 3 እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቲ ዝፈጠሮን ካብቲ ዅሉ ዝገበሮን ግብሩ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንኣኣ ባረኻን ቀደሳን። 4 በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረላ መዓልቲ፥ ልደት ሰማያትን ምድርን እዙይ እዩ። 5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ምድሪ ገና ዝናም ስለ ዘየዝነመ ኣብ ምድሪ እውን ዝሰርሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ፥ ኣብ ምድሪ ዝኾነ ኦም ኣይነበረን፤ በቝሊውን ሓደኳ ኣይበቘለን ነበረ። 6 ግና ንዅላ ምድሪ ዘስቲ ግመ፥ ካብ ምድሪ ይወፅእ ነበረ። 7 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ። 8 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብወገን ምብራቕ ኣብ ኤደን፥ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። 9 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ። 10 ንገነት ዘስቲ ሩባ ኸዓ ኻብ ኤደን ይወፅእ ነበረ። ካብኡ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሩባታት ተመቒሉ ይውሕዝ ነበረ። 11 ስም እቲ ቐዳማይ ሩባ ፊሶን ይበሃል። ንሱ ኣብ ኵላ ዙርያ እታ ወርቂ ዘለዋ ምድሪ ኤውላጥ ዝኸብብ እዩ። 12 ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ፅሩይ እዩ፤ ኣብኣ ሉልን ክቡር እምንን ይርከብ። 13 ስም እቲ ኻልኣይ ሩባ ድማ ግዮን ይበሃል። ንሱ እቲ ንዅላ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝኸብብ እዩ። 14 ስም እቲ ሳልሳይ ሩባ ኸዓ ጤግሮስ ይበሃል። ንሱ እቲ ብምብራቕ ኣሶር ዝውሕዝ እዩ። እቲ ራብዓይ ሩባ ድማ ኤፍራጥስ ይበሃል። 15 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንሰብ ወሲዱ፥ ምእንቲ ኸልምዓን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ። 16 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፦ “ካብቲ ኣብ ገነት ዘሎ ዅሉ ፍረ ኦም ብላዕ። 17 ካብ ፍረ እታ ፅቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፤ ካብኣ እንተ በሊዕኻ በታ ዝበላዕኻላ መዓልቲ፥ ሞት ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣዘዞ። 18 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ “ሰብ በይኑ ኽነብር ፅቡቕ ኣይኮነን። ንእኡ ዝሰማማዕ ሓጋዚ ንፍጠረሉ” በለ። 19 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንዅሉ ኣራዊት በረኻን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ መሬት ፈጠረ። እንታይ ኢሉ ስም ከም ዘውፅአሎም ምእንቲ ኽርኢ ኸዓ ናብ ኣዳም ኣምፅኦም። ኵሉ ህይወት ዘለዎ ድማ በቲ ኣዳም ዘውፅአሉ ስም ተሰምየ። 20 ኣዳም ከዓ ንዅሉ እንስሳን፥ ነዕዋፍ ሰማይን፥ ንኣራዊት በረኻን፥ ስም ኣውፅአሎም። ንኣዳም ዝሰማማዕ ሓጋዚ ግና ኣይተረኽበን። 21 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ንኣዳም ከቢድ ድቃስ ኣምፅአሉ፤ ደቀሰውን፤ ካብ ጐኑ ሓደ ዓፅሚ ወሲዱ ድማ፥ ነታ ስፍራኣ ብስጋ መልኣ። 22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ነታ ኻብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓፅሚ፥ ኣንስተይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ ናብ ኣዳም ኣምፅኣ። 23 ኣዳም ከዓ “እዚኣ ዓፅሚ ኻብ ኣዕፅምተይ፥ ስጋ ኸዓ ኻብ ስጋይ እያ፤ ካብ ሰብኣይ ተረኺባ እያ እሞ፥ ሰበይቲ ትበሃል” በለ። 24 ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ይሓድግ፤ ምስ ሰበይቱ ኸዓ ይዋሃድ፤ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ ይኾኑ። 25 ኣዳምን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራሖም ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይተሓፋፈሩን ነበሩ። 1 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ። 2 እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። 3 ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ። 4-5 እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። 6 እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ። 7 ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ። 8 ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። 9 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ፀዊዑ “ኣበይ ኣለኻ?” በሎ። 10 ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ። 11 ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ። 12 ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ። 13 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት። 14 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። 15 ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። 16 ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ። 17 ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18 ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። 19 ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ። 20 ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” ኢሉ ሰመያ። 21 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን። 22 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ “እንሆ፥ ኣዳም ፅቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ካባና ኸም ሓደ ኾነ። ሕዚ እውን ኢዱ ኸይዝርግሕ፥ ካብ ኦም ህይወት ድማ ወሲዱ ኸይበልዕሞ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኸይነብር” ኢሉ ኻብ ገነት ኣውፅኦ። 23 ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ። 24 ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ። 1 ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት። 2 ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ። 3 ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ድማ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። 4 ኣቤልውን ካብ በዅራት ኣባጊዑ ሰስቡሖም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ተመልከተ። 5 ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ኣይተመልከተን። ቃየል ከዓ የመና ጐሃየ፤ ገፁውን ፀለመ። 6 እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ? 7 ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ። 8 ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ። 9 እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ። 10 እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። 11 ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ። 12 ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን ኩን” በሎ። 13 ቃየል ከዓ ንእግዚኣብሄር “ቅፅዓተይ ክፆሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ እዩ። 14 እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ። 15 እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። 16 ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ። 17 ቃየል ድማ ንሰበይቱ ፈለጣሞ ጠነሰት፤ ንሄኖህ ድማ ወለደት። ቃየል ከተማ ኣጣየሸ፤ ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖህ ኢሉ ስም ኣውፅአላ። 18 ሄኖህ ከዓ ንጋይዳድ ወለደ። ጋይዳድ ድማ ንሜኤል ወለደ። ሜኤል ከዓ ንማቱሳላ ወለደ። ማቱሳላ ድማ ንላሜህ ወለደ። 19 ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ። 20 ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነብሩን ከፍቲ ዘርብሑን ነበረ። 21 ዩባል ዝበሃል ሓው ድማ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን እዩ። 22 ሴላ ድማ ነሃስን ሓፂንን ቀጥቂጡ ኣቑሑ ንዝሰርሕ ቱባልቃይን ወለደት። ሓፍቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ትበሃል ነበረት። 23 ላሜህ ድማ ነንስቱ ተዛረበን፤ “ዓዳን ሴላን፥ ቃለይ ስምዓ፤ ኣትን ኣንስቲ ላሜህ፥ ዘረባይ ኣዳምፃ፤ ስለ ቝስለይ፥ ሰብኣይ፥ ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ። 24 ቃየል ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ዝፍደ ኻብ ኮነ፤ ላሜህ ከዓ ሰብዓን ሸውዓተን ዕፅፊ ኽፍደ እዩ” ድማ በለን። 25 ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ። 26 ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ። 1 መፅሓፍ ትውልዲ ኣዳም እዙይ እዩ፦ እግዚኣብሄር በታ ንኣዳም ዝፈጠረላ መዓልቲ ንሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሄር ፈጠሮ። 2 ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩውን ፈጠሮም፤ ባረኾምውን። በታ ዝተፈጠሩላ መዓልቲ ኸዓ ስሞም “ኣዳም” ኢሉ ሰመዮም። 3 ኣዳም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ፤ ብምስሉ ኸም መልክዑ ወዲ ወለደ። ሴት ኢሉውን ሰመዮ። 4 ኣዳም ንሴት ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 5 ኣዳም ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 6 ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ ንሄኖስ ወለደ። 7 ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ። ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። 8 ሴት ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 9 ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንቃይናን ወለደ። 10 ሄኖስ ንቃይናን ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 11 ሄኖስ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 12 ቃይናን ከዓ ሰብዓ ዓመት ምስ ገበረ፥ ንመላልኤል ወለደ። 13 ቃይናን ንመላልኤል ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለደ። 14 ቃይናን ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 15 መላልኤል ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንያሬድ ወለደ። 16 መላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 17 መላልኤል ዕድሚኡ ሸሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 18 ያሬድ ከዓ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንሄኖክ ወለደ። 19 ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸሞንተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 20 ያሬድ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 21 ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ገበረ፥ ንማቱሳላ ወለደ። 22 ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 23 ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። 24 ሄኖክ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበረ ኣይተረኽበን፤ እግዚኣብሄር ወሲድዎ እዩሞ። 25 ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሸውዓተን ዓመት ምስ ገበረ ንላሜህ ወለደ። 26 ማቱሳላ ንላሜህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ወለደ። 27 ማቱሳላ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 28 ላሜህ ከዓ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ምስ ገበረ ወዲ ወለደ። 29 “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ፥ ካብ ኵሉ ስራሕናን ከቢድ ፃዕርናን ከዕርፈና እዩ” እንትብል ኖህ ኢሉ ሰመዮ። 30 ላሜህ ንኖህ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ። 31 ላሜህ ዕድሚኡ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሸውዓተን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 32 ኖህ ከዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ። 1 እንሆ ሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽባዛሕ ምስ ጀመረ፥ ኣጓላት ከዓ ተወለዳሎም። 2 እቶም ደቂ እግዚኣብሄር ድማ ነተን ኣጓላት ደቂ ሰብ፥ መልክዐኛታት ምዃነን ምስ ረአዩ፥ ካብኣተን ዘዝመረፅወን ኣንስቲ ወሰዱ። 3 እግዚኣብሄር ከዓ “ሰብ ስጋ እዩ እሞ፥ መንፈሰይ ንሓዋሩ ኣብኡ ኣይነብርን፤ ዕድሚኡ ድማ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን” በለ። 4 በቲ ዘመን እቱይ፥ ከምኡውን ብድሕሪኡ፥ ኣብ ምድሪ፥ ኔፊልም ዝበሃሉ ሰባት ነበሩ፤ ደቂ እግዚኣብሄር ናብተን ኣጓላት ደቂ ሰብ ኣተዉ፤ ንሳተንውን ወለዳሎም። እዚኣቶም እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዮም። 5 እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ። 6 እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ። 7 እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ። 8 ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። 9 ትውልዲ ኖህ ከምዙይ እዩ፦ ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ። ኖህ ኣካይዳኡ ምስ እግዚኣብሄር ገበረ። 10 ኖህ ሴም፥ ካም፥ ያፌት ዝበሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ወለደ። 11 ምድሪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጢኣት ተበላሽያ ነበረት። ምድሪ ኸዓ ብዓመፅ መሊኣ ነበረት። 12 እግዚኣብሄር ድማ ንምድሪ ረአያ፤ ንሳ ኸዓ ተበላሽያ ነበረት፤ ስጋ ዝለበሰውን ኣካይዳኡ ኣበላሽዩ ነበረ። 13 ኣምላኽ ድማ ንኖህ “ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ፍፃሜ ኣብ ቅድመይ በፂሑ ኣሎ፤ ብሰንኮም ምድሪ ዓመፃ መሊኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣነ ንኣኣቶም ምስ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። 14 ንስኻ ግና ብዕንፀይቲ ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፤ ውሽጣን ደገኣን ከዓ ብቕጥራን ለምፃ። 15 ንውሓታ ሰለስተ ሚእቲ እመት፥ ስፍሓታ ሓምሳ እመት፥ ቁመታ ድማ ሰላሳ እመት ጌርካ ስርሓያ። 16 ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ ሓደ እመት ዝቑመቱ መስኮት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጐድና ግበሮ። ታሕተዋይን፥ ካልኣይን ሳልሳይን ደብሪ ግበረላ። 17 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡር ምእንቲ ኽጠፍእስ፥ እንሆ ኣነ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ ኸምፅእ እየ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኸዓ ኽመውት እዩ። 18 ምሳኻ ግና ኺዳነይ ከቕውም እየ፤ ንስኻ፥ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፥ ሒዝካ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። 19 ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኵሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ከክልተ ናብ መርከብ ኣእቱ፤ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። 20 ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነቶም፥ ካብ እንስሳ በብዓይነቶም፥ ኣብ ምድሪ ካብ ዝንቀሳቐሱ በብዓይነቶም ጌርካ፥ ካብ ዝኾነ ዓሌት ከክልተ ምሳኻ ናብ መርከብ ይእተዉ። 21 ካብ ዝብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ፥ ንኣኻን ንኣኣቶምን ቀለብ ክኸውን ኣእቲኻ ኣብታ መርከብ ኣክቦ” በሎ። 22 ኖህ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። 1 እግዚኣብሄር ንኖህ “ኣብዛ ትውልዲ እዚኣ፥ ኣብ ቅድመይ ፃድቕ ኴንካ ረኺበካ እየ እሞ፥ ምስ ኵሉ ቤተ ሰብካ ናብ መርከብ እቶ። 2 ካብ ኵሉ ንፁህ እንስሳ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ካብ ኵሉ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ኸክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ 3 ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፥ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ንዘርኢ ክኾኑን ብህይወት ክነብሩን፥ ሸሸውዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። 4 ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ። 5 ኖህ ድማ፥ ከምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። 6 እቲ ማይ ጥፍኣት ኣብ ምድሪ ኽመፅእ እንተሎ፥ ኖህ ዕድሚኡ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ። 7 ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከዓ ምስኡ ኻብ ማይ ጥፍኣት ክድሕኑ ናብ መርከብ ኣተዉ። 8 ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ዘይንፁህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን፥ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝንቀሳቐስ ኵሉን፥ 9 ከምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ከክልተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፥ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። 10 ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ፥ ማይ ጥፍኣት ናብ ምድሪ መፀ። 11 ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዕድመ ኖህ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያት ገንፊሉ ወፀ፤ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፈተ። 12 ኣብ ምድሪ ኸዓ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዘነመ። 13 በታ መዓልቲ እቲኣ ኖህን፥ ደቁ ሴምን ካምን ያፌትን፥ ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ናብ መርከብ ኣተዉ። 14 ኵሎም ኣራዊት በብወገኖምን፥ ኵሎም እንስሳ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐሱ በብወገኖምን፥ ኵሎም ኣዕዋፍ በብወገኖምን፥ ክንፊ ዘለዎ ዅሉን ናብ መርከብ ምስኣቶም ኣተዉ። 15 ህይወት ካብ ዘለዎ ዅሉ ፍጡር፥ ከክልተ ናብ ኖህ ናብታ መርከብ ኣተዉ። 16 እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኖህ ዝኣዘዞ፥ ስጋ ኻብ ዘለዎ ዅሉ፥ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። ኖህ ናብታ መርከብ ምስ ኣተወ፥ እግዚኣብሄር ነታ መርከብ ብድሕሪኡ ዓፀዋ። 17 ማይ ጥፍኣት ድማ ነርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከዓ በዝሐ፤ ነታ መርከብ ድማ ኣልዓላ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ንላዕሊ ፀለል በለት። 18 እቲ ማይ በርትዐ፤ ኣብ ምድሪ እውን የመና በዝሐ፤ እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ፀለል ትብል ነበረት። 19 እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እናበርትዐ ኸደ፤ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነበሩ ዅሎም ነዋሕቲ እምባታት ከዓ ብማይ ተሸፈኑ። 20 እቲ ማይ ካብ ጫፍ እምባታት ሸውዓተ ሜትርን ፈረቓን ንላዕሊ ደየበ፤ እቶም እምባታትውን ተሸፈኑ። 21 ሽዑ ዅሉ ስጋ ዘለዎ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሉ ሰብን ሞተ። 22 ኵሉ ኣብ ኣፍንጫኡ እስትንፋስ ህይወት ዝነበሮ፥ ኣብ ደረቕ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ ሞተ። 23 ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝነብር ዝነበረ፥ ህይወት ዘለዎ ተደምሰሰ፤ ሰብን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራሕ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። 24 እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ እንተይጐደለ ፀንሐ። 1 እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ። 2 እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ። 3 እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናጐደለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸዓ ጐደለ። 4 ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት። 5 እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ። 6 ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤ 7 ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ። 8 ድሕሪዙይ ድማ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ኾይኑ ኽትርኢ ኢሉ ንርግቢ ሰደዳ። 9 ኣብ ኵላ ምድሪ፥ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፥ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈሉ ኣይረኸበትን። ስለዙይውን ናብኡ ናብ መርከብ ተመለሰት። ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ተቐበላ፤ ናብኡ ናብ መርከብ ከዓ ኣእተዋ። 10 ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ድማ፥ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። 11 ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ እታ ርግቢ ናብ ኖህ ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ልሙዕ ቘፅሊ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነፀፈ ፈለጠ። 12 ከምኡውን ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ብድሕሪኡ ግና ናብ ኖህ ኣይተመለሰትን። 13 ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ዕድመ ኖህ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነፀፈ። ሽዑ ኖህ ክዳን መርከብ ቀሊዑ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ እታ ምድሪ ነፂፋ ነበረት። 14 ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እታ ምድሪ ፈፂማ ነቐፀት። 15 እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ፦ 16 “ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብታ መርከብ ውፁ። 17 ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ። 18 ሽዑ ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወፁ። 19 ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ። 20 ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ። 21 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ። 22 ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ። 1 እግዚኣብሄር ንኖህን ንደቁን ባረኾም፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ኸዓ ምልእዋ። 2 ኵሎም ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣኻትኩም ይፍርሑን ይደንግፁን፤ ኵሎም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኵሎም ዓሳታት ባሕርን ክግዝኡኹም ሂበኩም ኣለኹ። 3 ኵሉ ዝንቀሳቐስ ህይወት ዘለዎ ምግቢ ይኹንኩም። እዝ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ በቝሊ ዝሃብኩኹም፥ ሂበኩም ኣለኹ። 4 ግና ህይወት ኣብ ደም እዩ እሞ፥ ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ። 5 ነቲ ህይወት ዘለዎ ደምኩም ዘፍሰሰ ኣነ ሕነ ኽፈድዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊትውን ሕነ ኽፈድዮ እየ። ንነፍሲ ሰብ ድማ ኻብ ኢድ ሰብ፥ ካብ ኢድ ሓዉ ሕነ ኽፈድዮ እየ። 6 እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፥ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንሰብ ብምስሉ እዩ ፈጢርዎሞ። 7 “ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።” 8 እግዚኣብሄር ከዓ ንኖህን ንደቁን ከምዙይ በሎም፦ 9 “እንሆ ኣነ ምሳኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹም ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። 10 ምስቲ ዅሉ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍ፥ እንስሳ፥ ኵሉ ኣራዊት በረኻ፥ ምስቲ ምሳኻትኩም ካብ መርከብ ዝወፀ ዅሉን፥ ምስ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጡርን ኪዳነይ አቕውም ኣለኹ። 11 ድሕሪ ደጊም ዅሉ ህይወት ዘለዎ ብማይ ጥፍኣት ኣይጠፍእን እዩ። ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ መሊሱ ኣይመፅእን እዩ። እንሆ ኺዳነይ ምሳኻትኩም አቕውም ኣለኹ።” 12 እግዚኣብሄር ከዓ በለ፦ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻትኩምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡርን፥ ንዘለኣለም ዝኣትዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ፤ 13 ቀስተይ ኣብ ደመና አንብር ኣለኹ፤ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ክኸውን እዩ። 14 እንሆ ደመና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸደምን እንተለኹ፥ ኣብቲ ደመና ቐስቲ ኽረአ እዩ። 15 ሽዑ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ እቲ ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ኺዳነይ ክዝክር እየ። እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘጥፍእ ማይ ጥፍኣት ድማ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይኸውንን እዩ። 16 እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደመና ኽረአ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ዅሉ ፍጡርን ዘሎ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምእንቲ ኽዝክር ክሪኦ እየ።” 17 እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ “ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጡርን ዘቖምክዎ ኺዳን፥ ምልክቱ እዙይ እዩ” በሎ። 18 እቶም ካብ መርከብ ዝወፁ ደቂ ኖህ፥ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ኣቦ ከነዓን እዩ። 19 እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እንትኾኑ፥ ካብዚኣቶም ዝተወለዱ ኸዓ ንዅላ ምድሪ መልእዋ። 20 ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፤ ወይኒ ኸዓ ተኸለ። 21 ካብቲ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፤ ኣብ ማእኸል ድንኳኑ ኸዓ ጥራሑ ወፀ። 22 ኣቦ ከነዓን ካም ከዓ፥ ዕርቃን ኣቦኡ ሪኡ፥ ናብ ደገ ወፂኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። 23 ሴምን ያፌትን ግና፥ ክዳን ወሲዶም ኣብ ማእገሮም ገይሮም ናይ ኣቦኣቶም ዕርቃን ከይሪኡ ገፆም ኣዚሮም ዕርቃን ኣቦኣቶም ከደኑ። 24 ኖህ ከዓ ኻብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመለሰ፤ እቲ ንእሽተይ ወዱ ዝገበሮውን ፈለጠ። 25 “ከነዓን ርጉም ይኹን። ነሕዋቱውን ባርያ ይኹን” በለ። 26 ኣስዒቡውን “ኣምላኽ ሴም፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን። 27 እግዚኣብሄር ንያፌት የስፍሕ፤ ኣብ ድንኳናት ሴምውን ይንበር፤ ከነዓን ድማ ባርያኡ ይኹን” በለ። 28 ኖህ ከዓ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ነበረ። 29 ኖህ ዕድሚኡ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኮነ፤ ሞተውን። 1 ደቂ ኖህ፥ ሴም፥ ካም፥ ያፌት እንትኾኑ፥ ንሳቶም ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ዝወለድዎም ድማ፦ 2 ደቂ ያፌት፦ ጋሜር፥ ማጎግ፥ ማዴ፥ ያዋን፥ ይልሳ፥ ቶቤል፥ ሞሳሕ፥ ቴራስ። 3 ደቂ ጋሜር፦ ኣስከናዝ፥ ሪፋት፥ ቴርጋማ። 4 ደቂ ያዋን፦ ኤሊሳ፥ ተርሴስ፥ ኪቲም፥ ሮድኢ እዮም። 5 ካብዚኣቶምውን እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ህዝብታት በብቛንቋኣቶም፥ በብዓሌታቶም፥ በብህዝቦም ተኸፋፊሎም በብሃገሮም ሰፈሩ። 6 ደቂ ካም፦ ኵሽ፥ ምፅራይም፥ ፉጥ፥ ከነዓን እዮም። 7 ደቂ ኵሽ፦ ሳባ፥ ኤውላጥ፥ ሰብታ፥ ራዕማ፥ ሳብቃታ። ደቂ ራዕማ፦ ሳባ፥ ድዳን እዮም። 8 ኵሽ ድማ ንናምሩድ ወለደ፤ ንሱውን ኣብ ምድሪ ሓያል ምዃን ጀመረ። 9 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ሓያል ሃዳናይ ነበረ። ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከም ናምሩድ ሓያል ሃዳናይ ይግበርካ” ዝበሃል። 10 መጀመርታ ግዝኣቱ ድማ፥ እተን ኣብ ሃገር ሰናዖር ዝርከባ፥ ባቢሎን፥ ኦሬ፥ ኣርካድ፥ ካልኔ፥ ዝበሃላ እየን። 11 ኣሶር ካብታ ሃገር እቲኣ ወፂኡ፥ ንነነዌ፥ ንረሖቦት ከተማ፥ ንካለህ ሰርሐን። 12 ከምኡውን ነታ ኣብ መንጎ ነነዌን ካለህን እትርከብ ዓባይ ከተማ ሬሴን መስረታ። 13-14 ምፅራይም ድማ ንሉዲም፥ ንዓናሚም፥ ንላህቢም፥ ንፍታሌም፥ ንፈትሩሲም፥ ንከስሉሂም ንቀፍቶሪም ወለደ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኻብ ከስሉሂም ተወለዱ። 15 ከነዓን ድማ ነቲ በዅሪ ወዱ ሲዶንን ኬጢያውያንን፥ 16 ኢያቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጌርጌሳውያንን፥ 17 ንኤዊያውያንን ንዓሩኬዎንን ንሲኒውያንን፥ 18 ንኣራዳዎንን ንሰማሮዎንን ንኣማቲያንን ወለደ። ብድሕሪኡ ዓሌታት ከነዓን ተበታተኑ። 19 ወሰን ከነዓናውያን ድማ ኻብ ሲዶን በታ ንጌራራ እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፥ በታ ንሰዶምን ንገሞራን ንኣዳማን ንሰቦይን እትወስድ ኣቢልካ ኽሳዕ ላሳ ነበረ። 20 ደቂ ካም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦምን እዚኣቶም እዮም። 21 ሴም ከዓ ቘልዑ ወለደ። ንሱ ኣቦ ዅሎም ደቂ ኤቦር፥ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት እዩ። 22 ደቂ ሴም ድማ፦ ዔላም፥ ኣሶር፥ ኣርፋክስድ፥ ሉድ፥ ኣራም እዮም። 23 ደቂ ኣራም ከዓ፥ ዑፅን ሑልን ጌተርን ሞሶሕን እዮም። 24 ኣርፋክስድ ድማ ንቃይንም ወለደ፤ ቃይንም ከዓ ንሳላ፥ ሳላ ድማ ንኤቦር ወለደ። 25 ኤቦር ድማ ኽልተ ኣወዳት ወለደ። ብዘመኑ ምድሪ ስለ ዝተመቓቐለት፥ ነቲ ሓደ ፋሌቅ ኢሎም ሰመይዎ። ሓዉ ድማ ዮቅጣን ይበሃል ነበረ። 26 ዮቅጣን ድማ ንኤልሞዳድ፥ ንሳሌፍ፥ ንሓስረሞት፥ ንየራሕ፥ 27 ንሃዶራም፥ ንኣውዛል፥ ንዶቅላ፥ 28 ንዖባል፥ ንኣቢማኤል፥ ንሳባ፥ 29 ንኦፊር፥ ንኤውላጥ፥ ንዮባብ ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30 ምቕማጣቶም ድማ ኻብ ሜሳ በታ ንስፋር ኣቢላ እትወስድ፥ ኣብቲ ወገን ምብራቕ ዘሎ እምባ ነበረ። 31 ደቂ ሴም በብዓሌታቶም፥ በብቛንቋኣቶም፥ በብምድሮም፥ በብህዝቦም፥ እዚኣቶም እዮም። 32 ዓሌታት ደቂ ኖህ በብትውልዶም፥ በብህዝቦም እዚኣቶም እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ጥፍኣት ኣህዛብ ኣብ ምድሪ ተኸፋፈሉ። 1 ኵሉ ምድሪ፥ ሓደ ቛንቋን ሓደ ዘረባን ነበሮ። 2 ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጕዓዙ፥ ኣብ ምድሪ ሰናኦር ጐልጐል ረኸቡ፤ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። 3 ንስንሳቶም ድማ “ንዑ፥ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንጥበሶ” ተበሃሃሉ። እቲ ጡብ ክንዲ እምኒ፥ እቲ ቕጥራን ክንዲ ጭቃ ኾነሎም። 4 ሽዑ ኸዓ “ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና፥ ሰማይ ዝበፅሕ ግንቢ ዘለዋ ኸተማ ንስራሕ፥ ስምና ኸዓ ነፀውዕ” በሉ። 5 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ደቂ ኣዳም ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግንብን ክርኢ ወረደ። 6 እግዚኣብሄር ድማ “እንሆ፥ እዚኣቶም ሓደ ቛንቋ ዝዛረቡ ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ እዙይ እዩ። ድሕሪ ደጊም ነቲ ኽገብርዎ ዝሓሰቡ ኻብ ምፍፃም ዝኽልክሎም የለን። 7 እምበኣር ንስንሳቶም ምእንቲ ኸይሰማምዑ፥ ንዑ ንውረድሞ ቛንቋኣቶም ንደባልቕ” በለ። 8 እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፤ ምህናፅ እታ ኸተማ ድማ ኣቋረፁ። 9 እግዚኣብሄር ቋንቋ ዅላ ምድሪ ስለ ዝደባለቐ፥ እታ ኸተማ “ባቢሎን” ተብሃለት። ካብኣ ኸዓ እግዚኣብሄር ናብ ኵላ ምድሪ በተኖም። 10 ትውልዲ ሴም ከምዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ማይ ጥፍኣት፥ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣርፋክስድ ወለደ። 11 ሴም ንኣርፋክስድ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 12 ኣርፋክስድ ድማ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮነ፤ ንቃይንም ወለደ። 13 ኣርፋክስድ ንቃይንም ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። ቃይንም ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ገበረ ንሳላ ወለደ። ቃይንም ንሳላ ምስ ወለደ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 14 ሳላ ኸዓ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንዔቦር ወለደ። 15 ሳላ ንዔቦር ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 16 ዔቦር ወዲ ሚእትን ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንፋሌቅ ወለደ። 17 ዔቦር ንፋሌቅ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 18 ፋሌቅ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንራግው ወለደ። 19 ፋሌቅ ንራግው ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 20 ራግው ወዲ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንሴሮሕ ወለደ። 21 ራግው ንሴሮሕ ምስ ወለደ፥ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእትን ሸውዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 22 ሴሮሕ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንናኮር ወለደ። 23 ሴሮሕ ንናኮር ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ኽልተ ሚእቲ ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 24 ናኮር ወዲ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ ንታራ ወለደ። 25 ናኮር ንታራ ምስ ወለደ ብድሕሪኡ ሚእትን ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ነበረ፤ ኣወዳትን ኣጓላትንውን ወለደ፤ ሞተውን። 26 ታራ ወዲ ሚእቲ ዓመት ምስ ኮነ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ። 27 ትውልዲ ታራ ኸምዙይ እዩ፦ ታራ፥ ንኣብራም፥ ንናኮር፥ ንሓራን ወለደ፤ ሓራን ድማ ንሎጥ ወለደ። 28 ሓራን ከዓ፥ ኣብታ ዝተወለደላ ምድሪ፥ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ኣብ ኡር ሞተ። 29 ኣብራምን ናኮርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ሰበይቲ ኣብራም ስማ ሶራ ትበሃል ነበረት፤ ሰበይቲ ናኮር ድማ ሚልካ ጓል ሓራን ነበረት። ሓራን ኣቦ ሚልካና ኣቦ ዮስካን ነበረ። 30 ሶራ መኻን ስለ ዝነበረት፥ ውሉድ ኣይወለደትን። 31 ታራ ድማ ንወዱ ኣብራምን፥ ንሎጥ ወዲ ሓራን ወዲ ወዱን፥ ንሶራ ሰበይቲ ኣብራም ወዱን ወሰዶም። ካብ ኡር ምድሪ ከለዳውያን ድማ ናብ ምድሪ ከነዓን ክኸዱ ብሓደ ወፁ። ኣብ ካራን ምስ በፅሑ፥ ኣብኣ ተቐመጡ። 32 ታራ ኽልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኮኖ ኣብ ካራን ሞተ።

14 ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ። 15 ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። 16 ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ። 17 ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18 ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። 19 ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።

17 ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18 ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። 19 ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።

ዘፍጥረት 1–11 · ዘፍጥረት 3:14–19 · ዘፍጥረት 3:17–19 · ትመ15

እቲ ኣብዛ ዓለም ዝተወልደ ቀዳማይ ሰብ፡ ብሓዘን፡ ቀዳማይ ቅትለት ኮነ። ብዛዕባ ቃየን፡ እቲ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ኢና ንዛረብ ዘሎና። እንታይ ኮነ? እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኮይኑ፡ ነበሮ። ቃየን ካብቲ ዝሓረሶ ፍረ ዝበለጸ ንኣምላኽ ኣቕረበ፡ ብሰንኪ መርገም ኣምላኽ ኣብዛ ብጽንዓት እናሰርሐ ()። መጓሰኡ፡ እቲ ፡ መስዋእቲ ንኣምላኽ ኣቕረበ፡ ንጽቡቕ ባህሪኡ ዘርኢ ድማ ኣካተተ። ኣምላኽ ኣዝዩ ተሓጎሰ ()፡ እዚ ድማ ኣብ ቃሉ ኣረጋገጸ ()። ብዛዕባ መስዋእቲ ቃየን፡ ኣምላኽ ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝረገሞ ዝመጸ ነገር ክቕበል ኣይከኣለን ()። ቃየን ብሓዉ ቀኒኡ፡ ንሱ ድማ ኣብ መወዳእታ ቀተሎ።

4 ክልተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ “ዘርኢ” ይገልጽ፡ ሓደ ምስ ቃየን ዝተኣሳሰረ፡ ንሓዉ ዝቐተለ፡ እቲ ሓደ ድማ ምስ ፡ ኣብ ክንዲ ዝመጸ። ፡ ስሙ “ዝተሾመ” ማለት እዩ፡ ድሕሪ ሞት ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦም ካልእ ወዲ ነይሩ፤ ሽዑ ሰባት ንእግዚኣብሔር ክጽውዑ ጀመሩ ()። ኣብ ምልኣት ፡ ሓደ ፡ ጐይታና የሱስ፡ ንርእሱ ከም ዝለዓለ መስዋእቲ ሃበ። ብእኡ፡ ንዝኣምን ዘበለ ይመጽእ ()።

1–11 ናይቲ ዝስዕብ ይገልጽ። ብሴት ተተኪኡ፡ እቲ ንዝኣምኑ ዘበሉ ዝመጸሉ ኣቦ። ቃየንን ወለዶኡን ዓለም ናይ ዕልወትን ሓጢኣትን ይውክሉ። ሎሚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንቃየን ይውክል ወይስ ንሞት እቲ ብኣምላኽ ከም ዓለም ዝተሾመ ይቕበል ክመርጽ ኣለዎ። እዩ ንስም እግዚኣብሔር ክንጽውዕ!

ብመጀመርታ ኣብ https://thelordisnear.org ተኣሊዩ። ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብሮኒ ሽሙትዝ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/a-very-tall-waterfall-in-the-middle-of-a-mountain-beO051yJ-iM)

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ