ሰለስተ ግዜ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ጐይታ የሱስ “ገዛእ ደሙ” ከም ዘፍሰሰ ተነጊሩና ኣሎ። ካህናት እስራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን ብቐጻሊ ደም እንስሳታት ናብ ድንኳን ድሕሪኡ ድማ ናብ ቤተ መቕደስ የቕርቡ ነበሩ። ዝኾነ ካህን ገዛእ ደሙ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕሪቡ ኣይፈልጥን። እዚ እንተዝከኣል እውን፡ ደም ኣሮንን ደቁን ብሓጢኣት ዝረኸሰ ነይሩ። ኣብዘን ስእልታትን ዓይነታትን ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣሮን ንርእሱ ከምኡ ድማ ንህዝቢ መስዋእቲ ከቕርብ ነይርዎ (ዘሌዋውያን 16:6)።
መጽሓፍ እብራውያን ንጐይታ የሱስ ከም መወዳእታ መልሲ ንኹሉ ዓይነታትን ጽላሎትን ናይ ብሉይ ኪዳን የቕርቦ። ጐይታ የሱስ ብዘይሓጢኣት ስለ ዝነበረ (እብራውያን 4:15)፡ ደሙ ክቡር (1 ጴጥሮስ 1:19)ን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓብዪ ዋጋ ዝነበሮን እዩ።
ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፡ ምእንቲ ክመውትን ገዛእ ደሙ ከፍስስን። ኣብ ፍቕድና፡ ንሱ ጥራይ ኣይሞተን፡ ግን ብሓይሊ እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ናብ ቅዱስ ቦታ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ መገዲ፡ ኣትዩ። ኣብኡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣትዩ። እቲ ዓይነት ኣሮን ኣብ መዓልቲ ምምሕሓር ኣብ ዘሌዋውያን 16 ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣተወ እዩ። ኣሮን ብደም ኣባጊዕን ኣጣልን ኣተወ፡ ግን ኣብኡ ክጸንሕ ኣይከኣለን። ክወጽእ ነይርዎ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ነቲ መስርሕ ደጊሙ ብሓድሽ ዝፈሰሰ ደም ናብ ቅዱስ ቦታ ክኣቱ ነይርዎ። ጐይታ የሱስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣትዩ። ንደሙ እንደገና ከፍስስ ኢሉ ነቲ ቅዱስ ቦታ ፈጺሙ ኣይሓድጎን። መስዋእቱ ፈጺሙ ክድገም ኣየድልን። ከምቲ ፍቕድና ዝብሎ፡ ዘለኣለማዊ ውጽኢት ኣለዎ።
ንስሙ ነመስግን! ከምቲ ካልኦት ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነግሩና፡ ንሕና እውን ናብኡ፡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ናብቲ ቅዱስ ቦታ ንምምጻእ መገዲ ኣሎና። ብድፍረት ኣብ ኣምልኾ ከምኡ ድማ ኣብ ጸሎት ንእቶ (እብራውያን 10:19)። ክርስቶስ ንኣና መገዲ ገይሩልና!




