2 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ነሓሰ: ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ (ሉቃስ 1:50)
ዕለታዊ ብርሃን
ምሕረቱውን ኣብቶም ዝፈርሕዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ።
ሉቃስ 1:50
ብኣኻ ንዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳለኻያ፥ ንዝፈርሑኻ ዝሰወርካያ ሕያዋይነትካ ኽንደይ ትበዝሕ? ብመጋረዲ ገፅካ ኻብ ክርክር ሰባት ትኽውሎም፤ ካብ ክርክር ኣንደበትውን ኣብ ውሽጢ ድንኳንካ ትጋርዶም።
ዳዊት 31:19–20
ብዘይ ኣድልዎ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከከም ግብሩ ንዝፈርድ እግዚኣብሄር “ኣቦ” ኢልኩም እትፅውዕዎ እንተ ደኣ ዄንኩም፥ ኣብዝ ምድሪ ኣጋይሽ ኴንኩም፥ ኣብ ትነብሩሉ ጊዜ፥ ንእኡ ብምፍራሕ ንበሩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:17
እግዚኣብሄር ንዝፅውዕዎ ዅሎም፥ ብሓቂ ንዝፅውዕዎ ዅሎም ቀረባ እዩ። ድልየት እቶም ዝፈርሕዎ ይፍፅም፤ ኣውያቶም ይሰምዕ፤ የድሕኖምውን።
ዳዊት 145:18–19
ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ... ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።
2ይ ነገስት 22:19
ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።
ኢሳይያስ 66:2
እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም።
ዳዊት 34:18
እቶም ዝንዕቑኒ ኸዓ ኽናዓቑ እዮም።
1ይ ሳሙኤል 2:30
“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።
ማቴዎስ 10:32
እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ።
ማቴዎስ 10:37–39
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
ያእቆብ 1:12
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ ... ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
ራእይ 2:10
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:17
ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ነሓ 2026
ኤፌሶን 2:8 · ዕብራውያን 11:6
31 ሓም 2026
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3 · ኢሳይያስ 55:4
30 ሓም 2026
ቈላስይስ 3:1 · ምሳሌ 4:5
29 ሓም 2026
ኢሳይያስ 64:1 · መሃልየ 8:14
28 ሓም 2026
ኤፌሶን 5:2 · ዮሃንስ 13:34
27 ሓም 2026
2ይ ቆሮንቶስ 4:4 · ኢሳይያስ 40:5





