31 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 1 ነሓሰ: ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም (ኤፌሶን 2:8)
ዕለታዊ ብርሃን
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
ኤፌሶን 2:8
ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ።
ዕብራውያን 11:6
እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።
ዮሃንስ 3:18
ንዘይምእማነይ ርድኣዮ እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ።
ማርቆስ 9:24
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና፥ በዙይ ኢና እንፈልጥ።
1ይ ዮሃንስ 2:5
ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ፥ ጥቕሚ የብሉን እሞ።
ገላትያ 5:6
ዝሞተት ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ እካ?
ያእቆብ 2:20
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:7
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
ገላትያ 2:20
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።
1ይ ጴጥሮስ 1:8–9
እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።
ያእቆብ 5:11
ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ።
ዳዊት 103:13
እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ። ... ንኪዳኑውን ንዘለኣለም ይዝክር።
ዳዊት 111:4–5
እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን። እንሆ፥ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ፥ ኣይድቅስን፤ ኣይታኸስንውን።
ዳዊት 121:3–4
ንስሪ ንጨቓዊቱ ምንፋር ከም ዝምህር ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸም ዝዝምቢ፥ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶም፤ ብኣኽናፉ ኸዓ ፆሮም። እግዚኣብሄር በይኑ መርሖም፤ ምስኡ ባዕዲ ኣምላኽ ኣይነበረን።”
ዘዳግም 32:11–12
ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ። ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤ ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
ሰቆቃወ 3:22–23
ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ራህርሀሎም፤ ንሕሙማቶም ድማ ኣሕወየ።
ማቴዎስ 14:14
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
ዕብራውያን 13:8
ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን። ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ።
ማቴዎስ 10:30, 29, 31
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ30 ሓም 2026
ቈላስይስ 3:1 · ምሳሌ 4:5
29 ሓም 2026
ኢሳይያስ 64:1 · መሃልየ 8:14
28 ሓም 2026
ኤፌሶን 5:2 · ዮሃንስ 13:34
27 ሓም 2026
2ይ ቆሮንቶስ 4:4 · ኢሳይያስ 40:5
26 ሓም 2026
ዕብራውያን 11:8 · ዳዊት 47:4
25 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 3:14 · ዮሃንስ 5:24






