27 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ሓምለ: ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ (ምሳሌ 10:12)
ዕለታዊ ብርሃን
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና።
ኤፌሶን 5:2
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ጌርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ፥ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 13:34
ፍቕሪ፥ ብዙሕ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፥ ቅድሚ ኹሉ ንስንሳትኩም፥ ብምሉእ ልቢ ተፋቐሩ።
1ይ ጴጥሮስ 4:8
ፍቕሪ ግና ንዅሉ በደል ትኽውሎ።
ምሳሌ 10:12
ክትፅልዩ እንተለኹም ከዓ፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም በደልኩም ምእንቲ ይቕረ ኽብለልኩም፥ ንብፃይኩም ዝተቐየምኩምዎ እንተ ሃልዩ፥ ይቕረ በሉሉ።
ማርቆስ 11:25
ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ።
ሉቃስ 6:35
ፀላኢኻ እንተ ወደቐ፥ ኣይትተሓጐስ፤ ብምስንኻሉውን፥ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
ምሳሌ 24:17
ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።
1ይ ጴጥሮስ 3:9
ብወገንኩም፥ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ፥ ዝከኣለኩም ግበሩ።
ሮሜ 12:18
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር።
1ይ ዮሃንስ 3:18
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ።
ፊልጵስዩስ 4:6
ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን በለ።
ማርቆስ 14:36
እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ ... እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ፥ ንጐይታ ሰለስተ ሻዕ ለመንክዎ። ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር።
2ይ ቆሮንቶስ 12:7–9
ልመናይውን ኣብ ቅድሚኡ አፍስስ ኣለኹ፤ መከራይውን ኣብ ቅድሚኡ እነግር ኣለኹ።
ዳዊት 142:2
ኣብ ሴሎ በሊዖምን ሰትዮምን ምስ ወድኡ ሃና ተስአት። ... ሃና ኸዓ ብልባ ኣምሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፤ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ ... ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ... ካብ እግዚኣብሄር ለሚነ ዝረኸብክዎ እዩ” እንትትብል ሳሙኤል በለቶ።
1ይ ሳሙኤል 1:9–11, 20
ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና።
ሮሜ 8:26
ናይ ያእቆብ ፅባቐ ዝፈተወ።
ዳዊት 47:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ሓም 2026
ዕብራውያን 11:8 · ዳዊት 47:4
25 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 3:14 · ዮሃንስ 5:24
24 ሓም 2026
ሮሜ 12:12 · 1ይ ሳሙኤል 3:18
23 ሓም 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:24 · ማርቆስ 13:32–33
22 ሓም 2026
ሮሜ 6:10 · ኢሳይያስ 53:12
21 ሓም 2026
ሮሜ 3:1–2 · ኤርሚያስ 4:4






