22 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 23 ሓምለ: እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ
ዕለታዊ ብርሃን
ክርስቶስ ከዓ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:24
“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ወይ እታ ሰዓት እቲኣ እንትርፊ ኣብ፥ መላእኽቲ ሰማይ ኮኑ ወይ ወልድ ሓደኳ ዝፈልጣ የለን። ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ ተጠንቀቑ! ንቕሑን፥ ፀልዩን። እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
ማርቆስ 13:32–33, 37
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:9
ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ። ... እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።
ያእቆብ 5:8–9
ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ ይብል ኣሎ።
ራእይ 22:20
እዝ ዅሉ ኸምዙይ ኢሉ ዝጠፍእ ካብ ኮነ፥ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኢኹም ክትኮኑ ዝግብአኩም? ነታ እግዚኣብሄር ዝመፀላ መዓልቲ፥ እናተፀበኹምን፥ እናቀላጠፍኩምን፥ ብቕዱስ ህይወትን፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄርን፥ ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዝመክኽ፥ ፍጥረት ሰማይ ከዓ፥ ብረስኒ ኽመክኽ እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:11
ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 4:7
“ሕቘኻትኩም ዕጡቕ፥ መብራህትኻትኩም ብሩህ ይኹን። ንስኻትኩምውን፥ ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝፅበይዎ እሞ፥ መፂኡ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ።
ሉቃስ 12:35–36
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ምእንታና ፀልዩ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:25
ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተ ሃልዩ፥ ንሽማግለታት ይፀውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ... እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ... ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ። ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም፥ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከዓ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን። ብድሕሪኡውን ዝናም ክዘንም ፀለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ሃበት።
ያእቆብ 5:14–18
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ። ምስ እዙይውን፥ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብፀሎት ትግሁ።
ኤፌሶን 6:18
ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ።
ሮሜ 1:9
ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
ቈላስይስ 4:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 ሓም 2026
ሮሜ 3:1–2 · ኤርሚያስ 4:4
20 ሓም 2026
ዮሃንስ 17:16 · ኢሳይያስ 53:3
19 ሓም 2026
ሉቃስ 1:49 · ዘፀኣት 15:11
18 ሓም 2026
ዮሃንስ 10:3 · 2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
17 ሓም 2026
ዮናስ 4:2 · ዘሑልቍ 14:17–18
16 ሓም 2026
ዘፀኣት 19:6 · ራእይ 5:9–10






