21 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 22 ሓምለ: ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና
ዕለታዊ ብርሃን
ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር።
ሮሜ 6:10
ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ።
ኢሳይያስ 53:12
ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኸወግድ፥ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ።
ዕብራውያን 9:28
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:24
እዙይ ከዓ ነቶም ዝቕደሱ፥ ብሓደ መስዋእቲ፥ ንዘለኣለም ፍፁማን ገይሩዎም እዩሞ።
ዕብራውያን 10:14
ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:24–25
እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ። እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝፀደቕና ኻብ ኮንና፥ ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ፥ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለፀ ዘይንድሕን!
ሮሜ 5:8–9
እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።
1ይ ጴጥሮስ 4:1–2
ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብፅሕ።
ይሁዳ 1:21
ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን። እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
ዮሃንስ 15:4–5
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ።
ገላትያ 5:22
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም። “ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:8–10
እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብኡ ፍፁም ይኸውን። ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘለና።
1ይ ዮሃንስ 2:5
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
ዮሃንስ 15:12
ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
ሮሜ 5:8
እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 4:16
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ20 ሓም 2026
ዮሃንስ 17:16 · ኢሳይያስ 53:3
19 ሓም 2026
ሉቃስ 1:49 · ዘፀኣት 15:11
18 ሓም 2026
ዮሃንስ 10:3 · 2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
17 ሓም 2026
ዮናስ 4:2 · ዘሑልቍ 14:17–18
16 ሓም 2026
ዘፀኣት 19:6 · ራእይ 5:9–10
15 ሓም 2026
ማቴዎስ 6:10 · ዳዊት 103:20–21






