26 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 27 ሓምለ: ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:4
ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለፅ።
ኢሳይያስ 40:5
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር። እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ዮሃንስ 1:18, 14
እቲ ነኣይ ዝረአየ፥ ንኣብ ረአየ።
ዮሃንስ 14:9
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም።
ዕብራውያን 1:3
ብመላእኽቲ ተርኣየ።
1ይ ጢሞቴዎስ 3:16
ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ። ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
ቈላስይስ 1:14–15
ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም፥ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።
ሮሜ 8:29
ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበስና፥ ከምኡ ድማ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ኽንለብስ ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 15:49
ብጊዜ ሰልፊ ሓይሊ ተዕጥቐኒ።
ዳዊት 18:39
ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:10
ኣሳ ድማ፦ “ኦ ጐይታ! ብብዝሒ ኾነ ብውሑድ ምድሓን ይከኣለካ እዩሞ፥ ኦ ኣምላኽና ብኣኻ ኢና ተኣሚንና ዘለናሞ፥ ብስምካውን ነዝ ጭፍራ እዙይ ክንዋግኦ መፂእና ኢናሞ ርድአና። ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና፤ ሰብውን ኣይስዓርካ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣእወየ።
2ይ ዜና 14:11
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ኸድሕኖ ኢሉ ንፀላእቱ ኻብኡ መለሶም።
2ይ ዜና 18:31
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ። ብገዛእቲ ተስፋ ኻብ ምግባር፥ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር ይበልፅ።
ዳዊት 118:8–9
ንጉስ ብብዝሒ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፤ ሓያልውን ብብርትዐ ሓይሉ ኣየምልጥን። ፈረስውን ከንቱ እዩ፤ ኣየድሕንን፤ ብብዝሒ ሓይሉውን ኣየምልጥን።
ዳዊት 33:16–17
ውግእና ምስ ኣሕሉቕን፥ ስልጣናትን፥ ምስቶም ነዝ ዘመን ፀልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፥ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኽፉኣት መናፍስትን እዩ እምበር፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይኮነን። ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ።
ኤፌሶን 6:12–13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ25 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 3:14 · ዮሃንስ 5:24
24 ሓም 2026
ሮሜ 12:12 · 1ይ ሳሙኤል 3:18
23 ሓም 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:24 · ማርቆስ 13:32–33
22 ሓም 2026
ሮሜ 6:10 · ኢሳይያስ 53:12
21 ሓም 2026
ሮሜ 3:1–2 · ኤርሚያስ 4:4
20 ሓም 2026
ዮሃንስ 17:16 · ኢሳይያስ 53:3






