1 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 2 ነሓሰ: ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም (ራእይ 13:8)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
ራእይ 13:8
እቲ እትመርፅዎ እንስሳ ... ሽዑ ዅሉ ህዝቢ እስራኤል ክመሲ እንተሎ ይሕረዱ። ናይታ ዝበልዑላ ቤት ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕለዋይ ልዳትን ካብቲ ደም ወሲዶም ይቕብእዎ። ... ኣነ ኸዓ ነቲ ደም ምስ ረአኹ ኽሓልፈኩም እየ።
ዘፀኣት 12:5–7, 13
ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ።
ዕብራውያን 12:24
በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ።
1ይ ቆሮንቶስ 5:7
ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ።
ግብሪ ሃዋርያት 2:23
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:9
ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ።
ኤፌሶን 1:7
እምበኣር ክርስቶስ ብስጋ ምእንታና መከራ ስለዝተቐበለ፥ ነቲ ብስጋ ኽትነብሩ ዝተረፈኩም ዘመን፥ ከም እግዚኣብሄር ፍቓድ እምበር፥ ከም ትምኒት ስጋኹም ምእንቲ ኸይትነብሩ፥ ንስኻትኩምውን ነዝ ሓሳብ እዙይ፥ ከም ኣፅዋር ጌርኩም ሓዝዎ፤ ብስጋኡ መከራ ዝተቐበለ ሰብ፥ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ እሞ።
1ይ ጴጥሮስ 4:1–2
“ኣነ በይነይ ነቲ መፅመቝ ወይኒ ረገፅክዎ።
ኢሳይያስ 63:3
ኦ እግዚኣብሄር! ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ብቕድስና ኸማኻ ዝኸበረ፥ ብግርማ ኸማኻ ዝተፈርሐ፥ ገባሪ ተኣምራት፥ መን ኣሎ?
ዘፀኣት 15:11
ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ።
ኢሳይያስ 59:16
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ።
1ይ ጴጥሮስ 2:24
ዝተረገመ እዩ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ።
ገላትያ 3:13
ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ምስጋና ኣመስግኑ፤ እግዚኣብሄር ተኣምራት ገይሩ እዩ እሞ፥ የማናይ ኢዱን፥ ቅዱስ ቅልፅሙንውን ንእኡ ምድሓን ገበረ።
ዳዊት 98:1
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
ቈላስይስ 2:15
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
ኢሳይያስ 53:11
ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
መሳፍንት 5:21
በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሮሜ 8:37
ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ።
ራእይ 12:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ31 ሓም 2026
2ይ ጢሞቴዎስ 2:3 · ኢሳይያስ 55:4
30 ሓም 2026
ቈላስይስ 3:1 · ምሳሌ 4:5
29 ሓም 2026
ኢሳይያስ 64:1 · መሃልየ 8:14
28 ሓም 2026
ኤፌሶን 5:2 · ዮሃንስ 13:34
27 ሓም 2026
2ይ ቆሮንቶስ 4:4 · ኢሳይያስ 40:5
26 ሓም 2026
ዕብራውያን 11:8 · ዳዊት 47:4






