29 ሓም 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 30 ሓምለ: ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም (ቈላስይስ 3:1)
ዕለታዊ ብርሃን
ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።
ቈላስይስ 3:1
ንጥበብን ምስትውዓልን ኣጥርየን።
ምሳሌ 4:5
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ።
ያእቆብ 3:17
ቃላይ ‘ንሳ ምሳይ የላን’ ይብል፤ ባሕሪ እውን ‘ኣብ ውሽጠይ የላን’ ይብል።
ኢዮብ 28:14
እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ፥ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተስአ፥ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞቱ ብዝመስል ሞት ምሰኡ እንተ ሓቢርና፥ ትንሳኤኡ ብዝመስል ትንሳኤውን፥ ምስኡ ኽንሓብር ኢና።
ሮሜ 6:4–5
ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ዕብራውያን 12:1
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር ... ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ... እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌሶን 2:4–6
እዞም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ንኣኣቶም እትኸውን ሃገር ይፅበዩ ኸም ዘለዉ የርእዩ ኣለዉ።
ዕብራውያን 11:14
ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ።
ሶፎንያስ 2:3
ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ።
ዮሃንስ 7:50
ጴጥሮስ ግና ኽሳዕ እቲ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት።
ማቴዎስ 26:58
ካብ ኣሕሉቕ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተ ኾነ ፈሪሳውያን፥ ካብ ቤተ ፀሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርሑ፥ እምነቶም ኣየግሃዱን። እዙይ ከዓ፥ ካብ ክብሪ እግዚኣብሄር፥ ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረፁ እዩ።
ዮሃንስ 12:42–43
ንሰብ ምፍራሕ፥ ኣብ መፃወድያ የእቱ፤ እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
ምሳሌ 29:25
ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
ዮሃንስ 6:37
ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይሰብርን፥ ዝትኪ ፈትሊ ጧፍውን ኣየጥፍእን።
ኢሳይያስ 42:3
ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ሃልያትኩም።
ማቴዎስ 17:20
እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ። እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7–8
እምበኣር ደቀይ፥ ንሱ ኽግለፅ እንተሎ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፥ በታ ዝመፀላ መዓልቲ እውን፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸይንሓፍርስ፥ ኣብ ክርስቶስ ንበሩ።
1ይ ዮሃንስ 2:28
“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።
ማቴዎስ 10:32
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ28 ሓም 2026
ኤፌሶን 5:2 · ዮሃንስ 13:34
27 ሓም 2026
2ይ ቆሮንቶስ 4:4 · ኢሳይያስ 40:5
26 ሓም 2026
ዕብራውያን 11:8 · ዳዊት 47:4
25 ሓም 2026
1ይ ዮሃንስ 3:14 · ዮሃንስ 5:24
24 ሓም 2026
ሮሜ 12:12 · 1ይ ሳሙኤል 3:18
23 ሓም 2026
1ይ ቆሮንቶስ 15:24 · ማርቆስ 13:32–33






