8 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ነሓሰ: ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን
ዕለታዊ ብርሃን
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኵለንትናኺ ፅብቕቲ ኢኺ፤ ኣበርውን የብልክን።
መሃልየ 4:7
ኵሉ ርእሲ ንሕማም፥ ኵሉ ልቢውን ንድኻም ኮይኑ እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን።
ኢሳይያስ 1:5–6
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ።
ኢሳይያስ 64:6
ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፥ ሰናይ ግብርስ የብለይን።
ሮሜ 7:18
ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 6:11
ንጓል ንጉስ ሓሴቦን ኵሉ ኽብራ እዩ።
ዳዊት 45:13
ወረኺ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ወፀ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዝቅኤል 16:14
ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና።
ዳዊት 90:17
ንሱ ኸዓ ... ክዳውንቶምውን፥ ብደም እቲ በጊዕ ሓፂቦም ዘንፅሁ እዮም።
ራእይ 7:14
ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ።
ኤፌሶን 5:27
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ።
ቈላስይስ 2:10
በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤ የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 2:13
ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።
ዘፍጥረት 4:1
ሽዑ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እንተይተበታተንና ... እግዚኣብሄር ድማ ኻብኡ ናብ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም።
ዘፍጥረት 11:4, 8
ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ስለ ዝመረፀ ... ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን ... ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። ... ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የመና ኽፉኣትን ሓጢኣተኛታትን ነበሩ።
ዘፍጥረት 13:11, 10, 13
ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ። ብዙሕ ጥበብ ኣብ ዘለዎ፥ ኣብኡ ብዙሕ ትካዘ ኣሎ፤ ፍልጠት ዝውስኽ ድማ ሓዘን ይውስኽ።
መክብብ 1:17–18
ዓበይቲ ስራሕቲ ሰራሕኹ፤ ኣባይቲውን ሰራሕኹ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ተኸልኩ። ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ... እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ።
መክብብ 2:4, 8, 11
ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።
ዮሃንስ 7:37
ንሱ ንዝጠመየት ነፍሲ ኣፅጊቡ እዩሞ፤ ንዝዓረቐት ነፍሲውን ብበረኸት መሊኡ እዩሞ።
ዳዊት 107:9
ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
ቈላስይስ 3:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ነሓ 2026
ዮሃንስ 14:26 · ዮሃንስ 4:10
6 ነሓ 2026
ምሳሌ 3:12 · ዘዳግም 32:39
5 ነሓ 2026
ሮሜ 6:4 · ሮሜ 6:19
4 ነሓ 2026
ዮሃንስ 19:30 · ዕብራውያን 12:2
3 ነሓ 2026
ሉቃስ 1:50 · ዳዊት 31:19–20
2 ነሓ 2026
ራእይ 13:8 · ዘፀኣት 12:5–7






