9 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ነሓሰ: ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር (ዮሃንስ 17:15)
ዕለታዊ ብርሃን
ካብ ክፉእ ክትሕልዎም እምበር፥ ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።
ዮሃንስ 17:15
ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
ፊልጵስዩስ 2:15
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም፤ ... “ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም።
ማቴዎስ 5:13–14
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ማቴዎስ 5:16
ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ።
ዘፍጥረት 20:6
ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ።
2ይ ተሰሎንቄ 3:3
ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር እፈርሕ ስለ ዝነበርኩ ከምኡ ኣይገበርኩን።
ነህምያ 5:15
ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።
ገላትያ 1:4
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥ ነቲ ብጐይታና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ፥ መድሓኒና ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን፥ ሕዝን፥ ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ሓይሊ፥ ስልጣን፥ ይኹኖ። ኣሜን።
ይሁዳ 1:24–25
እቲ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና፥ ብሰላም ይነብር።
ምሳሌ 29:25
እግዚኣብሄር ኣብ ኣርያም ይነብር እዩሞ ልዕል ልዕል በለ።
ኢሳይያስ 33:5
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ፤ ክብሩ ኸዓ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት እዩ። ንድኻ ኻብ መሬት ዘልዕል፥ ንምስኪንውን ካብ መሬት ልዕል ዘብሎ፥ ምስ ኣሕሉቕን።
ዳዊት 113:4, 7–8
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፤ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩምሞ። እግዚኣብሄር ምስ ክርስቶስ ኣተስአና፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ኣብ ሰማያት ምስኡ ኣቐመጠና።
ኤፌሶን 2:4–6
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና? ስለዙይ ሞት ኮነ ህይወት፥ መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ ወይ ዝኾነ ሓይሊ፥ ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ፥ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ፥ ካብቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕሪ እግዚኣብሄር፥ ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ፥ ተረዲአ ኣለኹ።
ሮሜ 8:32, 38–39
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ነሓ 2026
ምሳሌ 4:18 · ፊልጵስዩስ 3:12
7 ነሓ 2026
ዮሃንስ 14:26 · ዮሃንስ 4:10
6 ነሓ 2026
ምሳሌ 3:12 · ዘዳግም 32:39
5 ነሓ 2026
ሮሜ 6:4 · ሮሜ 6:19
4 ነሓ 2026
ዮሃንስ 19:30 · ዕብራውያን 12:2
3 ነሓ 2026
ሉቃስ 1:50 · ዳዊት 31:19–20





