ነብዪ ናታን ብዛዕባ እቲ ንኦርዮን ባትሸባን ዝገበሮ ሓጢኣት ምስ ገጠሞ፡ ዳዊት ተናዘዘ እሞ ይቕረ ከም እተገብረሉ ተነግሮ። ይቕረ እኳ እንተ ተገብረሉ፡ ሳዕቤናት ሓጢኣቱ ግን ኣዝዩ ከቢድ ነበረ፡ ንህይወቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እውን። ተግባራቱ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኪጸርፉ ዓብዪ ኣጋጣሚ ሂብዎም።
ድሕሪ ዓመታት ንጉስ ምናሴ ሓደ ዝመሳሰል ተመክሮ ነበሮ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፡ ኣምላኽ ንንጉስ ኣሶር ናብኡ ሰደዶ እሞ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ኣብኡ ኣብ ባቢሎን፡ ትምህርታዊ ኢድ ኣምላኽ ከሎ፡ ምናሴ ርእሱ ኣትሐተ እሞ ተነሰሐ። ኣምላኽ ድማ ብልማኖኡ ተደሪኹ፡ ልማኖኡ ሰምዐ እሞ እንደገና ናብ የሩሳሌም መለሶ። በዚ ድማ ኣብ ህይወት ምናሴ መሰረታዊ ለውጢ ተገብረ። ተመሊሱ ድማ ንኣምላኽ ደኣ እምበር ንጣኦታት ሰላምን ምስጋናን መስዋእቲ ኣቕረበ። ከም ዳዊት፡ ምናሴ ይቕረ ተገብረሉ እሞ ሳዕቤናት ግን ተረፈ። ምናሴ እኳ እንተ ተነሰሐ፡ ብዙሓት ግን በቲ ንሱ ዝገበሮ እኩይ ተግባራት ቀጸሉ እሞ ብሰንኪ ናይ ምናሴ ናይ ቀደም ሓጢኣት ትምህርቲ ኣምላኽ በጽሖም (ኤር. 15:4)።
በቲ ሓጢኣት እዞም ክልተ ሰባት እዚኦም እንታይ ጓህን ሓዘንን፡ እንታይ ንእግዚኣብሄር ዘሕፍር ነገርን ተፈጢሩ! ንኹላትና ክንደይ ከቢድ እዩ፡ ሓጢኣትና፡ ይቕረ እኳ እንተ ተገብረልናን ብኣምላኽ እኳ እንተ ተረስዐን፡ ብሰብ ግን ኣይርሳዕን። እንታይ ስድብን ዓብዪ ነውርን ንስም እግዚኣብሄር የምጽኡ! ድሕሪ እቲ ነዊሕ ግብዝናዊ፡ ኣታላልን እኩይን ኣነባብራ ናይ ሓደ ፍሉጥ ክርስትያን መምህር ምስ ተጋህደ፡ ሓደ ርእሱ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ዝኣመነ ሰብ፡ “ኣቐዲመ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ዝኣምን እንተ ዘይኮንኩ፡ ንሱ ምገፋዕኒ ነይሩ” በለ። ብኣንጻሩ፡ ብጸጋን ሓይልን ኣምላኽ ንሕና ንሕሎ!




