እዚ ብሓቂ ዓቢ ክሲ እዩ! እቲ ልዑል ጐይታ ክብሪ ናብ ሞት ናይ ልዑል ውርደትን ሕፍረትን ተፈርደ፡ እዚ ድማ ብዘይፍልጠት ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ የግዳስ ብገዛእቲ ናይዚ ዘመን እዚ እዩ። እቲ ኣብ መስቀሉ ዝነበረ ጽሑፍ ብግሪኽን ላቲንን እብራይስጥን ተጻሒፉ ነበረ። ግሪኻውያን ብዘይጥርጥር ኣእምሮኣውያን ገዛእቲ ናይቲ ዘመን ነበሩ። ሮማውያን ብወተሃደራዊ ብቕዓትን ብስነ-ጥበብ ምምሕዳርን ገዛእቲ ነበሩ። እብራውያን ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ብዘይተወዳዳሪ ገዛእቲ ነበሩ። ግናኸ ኩሎም ኣብ ምስማር ጐይታ ክብሪ ተዋፊሮም ነበሩ። ኩሎም ድማ ብኡ ኣቢሎም ንምሉእ ዘይፍልጠቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ገለጹ፡ ኩሎም ድማ ኣብ ትሕቲ ፍርዱ ኣተዉ።
ገዛእቲ ናይዚ ዘመን እዚ “ናብ ከንቱነት ይመጹ ኣለዉ።” ኣዝዩ ዘሕፍር! “ምስትውዓል ብቑዓት” ናብ ከንቱነት ጥራይ ኣይመጽእን (1 ቈረ. 1:19) ፡ የግዳስ ገዛእቲ ናይዚ ዘመን እዚ እውን ናብ ከንቱነት ይመጹ። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት፡ እቲ ድምር፡ ናይ ኩሉ ብልሓተኛ ተግባራት ከንቱ እዩ። እቶም ብልሓተኛታት ሰባት ባዕሎም ናብ ከንቱነት ይመጹ። ኣብዚ ተጻራሪ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ከም ዝበለና፡ ከምኡ ድማ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ፍሬኹም ኪነብር” ዝበሎ ቓላት ኣሎና። እቲ ኣማኒ፡ እቲ ኣማኒ ጥራይ፡ ንዘለኣለም ዚነብር ነገር ንምግባር ሓይሊ ኣለዎ። ነዚ ብኣቓልቦ ንርአዮ፡ ህይወትና ድማ ብሓሳባትና ይምራሕ!።




