6 ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤
ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤
እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥
ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
27 ወዲ ሰብ፥ ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ስልጣን ሃቦ።
1 እንሆ፥ ኵሎም ተቐበልቲ ቐረፅን ሓጥኣንን፥ ክሰምዕዎ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። 2 ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ድማ “እዙይስ ንሓጥኣን ይቕበል፤ ምስኣቶምውን ይበልዕ” እናበሉ ኣጕረምረሙ። 3 ሽዑ ኸምዙይ ኢሉ መሰለሎም፦ 4 “ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ፥ ክደሊ ዘይኸይድ ኣየናይ ሰብ እዩ? 5 ምስ ረኸባ ድማ፥ ተሓጒሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ። 6 ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ድማ፥ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብሓባር ፀዊዑ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም። 7 ከምኡ ኸዓ ንስሃ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ፃድቃን፥ ብዝንሳሕ ሓደ ሓጥእ፥ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣለኹ።
8 “ከምኡውን ዓሰርተ ቐለበት ብሩር ዘለዋሞ፥ ሓንቲ ቐለበት ብሩር እንተ ጠፍአታ፥ መብራህቲ ኣብሪሃ ገዛኣ ዘይትዅስትር፥ ክሳዕ እትረኽባ ድማ፥ ብጥንቃቐ ዘይትደሊ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ? 9 ምስ ረኸበታ ድማ፥ ‘እታ ዝጠፍአትኒ ብሩረይ ረኺበያ እየ እሞ፥ ምሳይ ተሓጐሳ’ እናበለት ንመሓዙታን ንጐረባብታን ትፅውዕ። 10 ከምኡ ኸዓ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ።”
11 ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12 እቲ ንእሽተይ ነቦኡ ‘ኣቦይ፥ ካብ ገንዘብካ እቲ ዝብፅሐኒ ግደይ ሃበኒ’ በሎ፤ ንሱ ኸዓ፥ ነቲ ገንዘቡ መቒሉ ሃቦ። 13 ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ድማ እቲ ንእሽተይ ወዲ፥ ኵሉ ገንዘቡ ኣኪቡ፥ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ገንዘቡ፥ ብስድነትን ብስኽራንን በተኖ። 14 ኵሉ ገንዘቡ ምስ ወድአ፥ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኮነ፤ ንሱውን ተፀገመ። 15 ከይዱውን ካብቶም ደቂ እታ ሃገር፥ ኣብ ሓደ ተቘፀረ፤ ንሱ ድማ ሓሰማታት ክጓሲ ናብ ወፍሩ ሰደዶ። 16 ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ዝነበራ ቛርፍ ክበልዕ ድማ፥ ሃረር ይብል ነበረ፤ እንተ ኾነ ሓደኳ ዝህቦ ኣይረኸበን። 17 ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጀራ ዝተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ እዮም፤ ኣነ ግና ኣብዙይ ብጥሜት እመውት ኣለኹ።’ 18 ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ። 19 ‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ። 20 ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ። 21 እቲ ወዱ ድማ፥ ‘ኣቦይ! ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ፤ ደጊምስ ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን’ በሎ። 22 ኣቦኡ ግና ንሓሻኽሩ ‘ዝበለፀ ኽዳን ብቕልጡፍ ኣምፂእኹም ክደንዎ፤ ቀለበት ኣብ ኣፃብዕቱ፥ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ግበሩሉ፤ 23 ስቡሕ ዝራብዕ ኣምፂእኹም ሕረዱሞ፥ ንብላዕ፤ ንተሓጐስ፤ 24 እዝ ወደይ ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ’ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
25 “እቲ ዓብዪ ወዱ ግና፥ ኣብ ወፍሪ ነበረሞ፥ መፂኡ ኣብ ጥቓ ገዛ ምስ ቀረበ፥ ሙዚቃን ጐይላን ሰምዐ። 26 ካብቶም ሓሻኽር ኣቦኡ ንሓደ ፀዊዑ ‘እዝ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ እዩ?’ ኢሉ ጠየቖ። 27 ንሱ ኸዓ፥ ‘እቲ ሓውካ ስለ ዝመፀ እሞ፥ ኣቦኻ ብዳሕንኡ ስለ ዝረኸቦ፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪዱሉ’ በሎ። 28 ንሱ ግና ዀርዩ ምእታው ኣበየ፤ ኣቦኡ ኸዓ ወፂኡ ለመኖ። 29 ንሱ ግና ነቦኡ፦ ‘እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓመታት ኣገልጊለካ፤ ካብ ትእዛዝካውን ፈፂመ ኣይሓለፍኩን፤ እንተ ኾነ ንኣይ ምስ ኣዕርኽተይ ዝሕጐሰሉ፥ ሓደ ማሕሲእ እኳ ኣይሃብካንን። 30 እዝ ምስ ኣመንዝራታት ገንዘብካ ዝበተነ ወድኻ ምስ መፀ ግና፥ ስቡሕ ዝራብዕ ሓሪድካሉ’ በሎ። 31 ኣቦኡ ኸዓ፥ ‘ወደይ፥ ንስኻስ ኵልሻዕ ምሳይ ኣለኻ፤ ናተይ ዝኾነ ዅሉ ድማ፥ ናትካ እዩ። 32 እዝ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፥ ሓውዩ፤ ጠፊኡ ነይሩውን፥ ተረኺቡ እዩ እሞ፥ ክንሕጐስን ደስ ኽብለናን ይግብአና እዩ’ በሎ።”
ኢሳይያስ 53:6 · ዮሃንስ 5:27 · ሉቃስ 15 · ትመ15
ኣብ ዮሃንስ 5:27፡ ኣቦ ንወዲ ስልጣን ፍርዲ ከም ዝሃቦ ንኣንብብ፡ ከመይሲ ንሱ ወዲ ሰብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ምምጽኡ፡ ኪፈርድ ኣይመጸን፡ ግናኸ፡ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍቕዲ ዚነግረና፡ ኪደልን ኬድሕንን እዩ።
ወንጌል ሉቃስ ንዓና ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዓብዪ ድሌቶም ከም ሓጢኣተኛታት ዝረኸበ ጸጋ የጕልሓልና። ኣብቲ ሰለስተ ክፋል ዘለዎ ምሳሌ ኣብ ሉቃስ 15፡ ንስፍሓት እዚ ጸጋ እዚ ገለ ነገር ንርኢ። እቲ ሓንቲ በጊዕ ዝጠፍኣቶ ሰብኣይ ክሳዕ ዚረኽባ ይደልያ። እዚ ኸኣ፡ ብርግጽ፡ ስእሊ ጐይታና ንዝጠፍኣ በጊዑ ኺደሊ ከሎ እዩ። እታ ሓንቲ ሳንቲም ዝጠፍኣታ ሰበይቲ ክሳዕ እትረኽባ ትደልያ። እዚ ኸኣ ንውሽጣዊ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ፡ ብምእማን፡ ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ፡ የቕርብ። ሽዑ፡ እቲ ንዝጠፍአ ወዱ ናብ ቤት ዚቕበል ኣቦ፡ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንኹሉ ንስሓ ዝገበረ ሓጢኣተኛ ከመይ ከም ዚቕበል ዘደንቕ ስእሊ እዩ። ምሉእ ኣምላኻዊነት ንምድሓን ዝጠፍኡ ሓጢኣተኛታት ይግደስ።
እቲ ጐይታ፡ ከም ወዲ ሰብ፡ ኪደሊ ከም ዝነበሮ፡ ንሕና ብሓቂ ከም ዝጠፍእና የርኢ፡ “ኹላትና ኸም ኣባጊዕ ጠፊእና፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ገዛእ መገዱ ገጹ ኣዙሩ።” ይኹን እምበር፡ እግዚኣብሔር የሱስ ንነፍሲ ወከፍና ኺደሊ መጸ። ምስ ረኸበና ኸኣ ኣድሓነና። ምድሓን ክንደይ ዘደንቕ ቃል እዩ! ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዚብሃል፡ ምድሓን ዝሓለፈ፡ ሕጂ ዘሎ፡ ዝመጽእ ገጽታ ኣለዎ። ካብ ሓጢኣትናን ካብቲ ዝግብኣና ዘለኣለማዊ ፍርድን ኣድሒኑና። ሕጂ፡ መዓልታዊ ካብ ገዛእ ርእስና—ስጋን ሓይሉን—የድሕነና ኣሎ፡ ከምኡ ኸኣ ካብ ብዙሓት ሓደጋታት ኣብቲ መገዲ፡ ንሕና ብዙሕ ግዜ ከም ዘለዉ ዘይንፈልጦም። ሽዑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ፡ ኣብ ግዜ ምልዓል ምስ መጸ፡ ካብቲ ሓጢኣት ባዕሉ ምሉእ ብምሉእ ኬድሕነና እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ኸኣ ዝኸበረ ኣካል ኪህብ እዩ። ሽዑ ኣብቶም ብሩኻት ቦታታት ምስኡ ክንከውን ኢና፡ ኣብኡ ሓጢኣት ፈጺሙ ኣይመጽእን እዩ! ምናልባት ሎሚ!