«ምእንትዚ ድማ: የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ትዕግስቱ ቕድም ብኣይ ምእንቲ ኼርኢ: ንኣቶም ድሕሪኡ ንዘለኣለማዊ ህይወት ኪኣምኑሉ ዘለዎም ከኣ ኣብነት ምእንቲ ኪኸውን: ምሕረት ረኸብኩ።» (1 ጢሞቴዎስ 1:16 KJV)ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ ኻብ ቀጥታዊ ቅድሚ ኣቦ: ብዅሉ ቅድስናኡን ዅሉ ጸጋኡን ይልኣኽ። ንሱ ቅዱስን ጸጋ ዝመልኦን: ነጸብራቕ ጸጋን ቅድስናን መለኮታዊ ባህርይን ኪኸውን ተጸዊዑ። ንሱ ኸምኡ ኪኸውን: ካብ ቅድሚ ኣቦ ኺጅምር ጥራይ ዘይኮነስ: ብመንፈስ: ብቐጻሊ ኣብኡ ኺጸንሕ ኣለዎ። እቲ መንፈሳዊ ሰብ ጥራይ እዩ ትርጉም እዘን ክልተ ነገራት ኪርድኦ ዚኽእል: «ኪድ እሞ ግበር»: ከምኡ’ውን: «ገና ኣይትፍለ።» ንኣቦ ኣብ ወጻኢ ንምግልጋል: ምስኡ ኣብ ውሽጢ ኽኸውን ኣሎኒ: ወትሩ ኣብቲ ሕቡእ መቕደስ ቅድሚ ኣቦይ።
ጐይታ የሱስ ንርእሱ «ካብ ሰማይ ዝወረደ: እቲ ወዲ ሰብ [ኣብ] ሰማይ ዘሎ» (ዮሃንስ 3:13) ኢሉ ገሊጽዋ። ብዙሓት ኣብዚ ነጥቢ ይስሕቱ። ኣብ ማእከል ዕግርግር ዓለምን ጓሂ ንጡፍ ኣገልግሎትን ካብቲ ኸቢድነትን ህድኣትን መለኮታዊ ቅድሚት ምውጻእ ሓደጋ ኣሎ። እዚ ኺሕሎ ኣለዎ። ነቲ ብ«ዘይስኒ እግሪ» ዚግለጽ ቅዱስ መንፈሳዊ ድምጺ እንተ ኣጥፊእናዮ: ኣገልግሎትና ብቕልጡፍ ፍረ ኣልቦ ኪኸውን እዩ። ኣገልግሎተይ ኣብ መንጎ ልበይን ኣቦይን ኪኣቱ እንተ ፈቒደ: ዋጋኡ ሒደት ኪኸውን እዩ።
ምስ ጐይታ የሱስ ርክብ እናተሓጐስና ጥራይ ኢና ብፍርያምነት ከነገልግል ንኽእል። ልቢ ኣብቲ ሓያል ስሕበቱ ኺነብር ከሎ እዩ እቲ ዝበለጸ ቅቡል ኣገልግሎት ብስሙ ዚፍጸም። ንጐይታ የሱስ ብሓድሽነትን ፍርያምነትን ንኻልኦት ኬካፍል ዚኽእል ሰብ የልቦን: ኣብ ሕቡእ ነፍሱ ብእኡ ዚምገብ እንተ ዘይኮይኑ። ሓቂ እዩ: ስብከት ኪሰብኽ: ጸሎት ኪጽሊ: መጽሓፍ ኪጽሕፍ: ከምኡ’ውን ዅሉ ናይ ወጻኢ ኣገልግሎት ኪፍጽም ይኽእል: ገና ግና ንእኡ ኣይካፍሎን። ንእኡ ንኻልኦት ዜቕርብ ሰብ ንርእሱ ብጐይታ የሱስ ኪተሓዝ ኣለዎ።





