ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ኣብ ሰማይ ጽቡቕ ትርኢት ይረአ። ክርስቶስ ሕጂ ኣብኡ ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ሓደ እዋን ኣብዚ፡ ንሕና ዘለናዮ ቦታ ነበረ፡ ግናኸ ሕጂ ኣብዚ የሎን። ጐይታ የሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣይሁድን ኣህዛብን ኣውጺኦም ናብ መስቀል ሰቐልዎ። እዚ ኸኣ ንሕሱርን ሓጢኣተኛን ልቢ ሰብ ዝገልጽ፡ ግናኸ ንብዝሒ ጸጋ ኣምላኽ’ውን ዝገልጽ፡ ክንደይ ዘሰቅቕ ተግባር ኰን እዩ! ሓጢኣት ኣብ ዝበዝሓሉ፡ ጸጋ ኣዝዩ በዝሐ።
ኣብዚ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዘሎሉ እዋን፡ ኣምላኽ ብወንጌል፡ ደቂ ሰብ ካብ ኩሉ ዕድመታትን መነባብሮታትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ኩሉ ዓሌትን ቋንቋን ህዝብን ሃገርን፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንምሕባር ይጽውዕ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሜና ብኸመይ ዘገርም መገዲ ይግለጽ ከም ዘሎ፡ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም ነፍሳት ከም ዝበጽሑ ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል ፖለቲካዊ ግርጭታትን ተቓውሞን ተፈጥሮኣዊ ኣደጋታትን ይኸውን ኣሎ፡ ግናኸ መንፈስ ኣምላኽ ኣይተኣስረን።
ንሰባት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ባህላዊ ፍልልያት ሓቢሮም ዘምጽኦም እንታይ እዩ? ካብቲ ኣምላኽ ዝመረጾ በጊዕ፡ ሓደ እዋን ዝተሓርደ፡ ካልእ የለን። ንሱ ብኽቡር ደሙ፡ ንኣምላኽ ኣድሓኖም። ኩሎም ሓንቲ ሓዳስ መዝሙር ኪዝምሩ እዮም—እዛ መዝሙር እዚኣ ቕድሚ ሕጂ ተዘሚራ ኣይትፈልጥን፡ መወዳእታ’ውን የብላን። እዛ መዝሙር እዚኣ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ፡ ዘይቍጸር ህዝቢ፡ ኣብዚ ናይ ክርስቶስ ምድሓር እዋን ዝደሓነ ጥራይ እያ እትዝመር። እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ንዘለኣለማዊ ዘመናት ምስ ክርስቶስ ከም መርዓቱ ኪሓብር እዩ። ንሕና ኸኣ ኣብዚ ምዝማር እዚ ንምሕባር ፍሉይ መሰል ኪህልወና እዩ!





